ቱርካውያ ባሕረኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይጀርያ ብቐርሰንቲ ተጨውዮም

መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ናይጀርያ Image copyright Getty Images

ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይጀርያ፣ ዓሰርተ ቱርካውያን ባሕረኛታት ዝሓዘት መርከብ ብቐርሰንቲ (ሸፋቱ ባሕሪ) ተጨውያ።

እቶም ቐርሰንቲ ነታ መርከብ ገንዘብ ደልዮም ከም ዝጨውይዋ ተገሊጹ።

እቶም ባሕረኛታት ኣብ "ፕክሶይ" ዝተባህለት መርከብ ሒዞም ካብ ካመሩን ናብ ኣይቨሪኮስት እናተጓዕዙ እንከለው'ዮም፡ ኣብ ወሸመጥ ጊኒ ተታሒዞም።

እታ መርከብ ዝኾነ ንብረት ጽዒና ከም ዘይነበረት ተፈሊጡ።

ካብታ መርከብ ሸመንተ ባሕረኛታት ክሃድሙ እንከለው፡ መንግስቲ ቱርኪ ድማ ነቶም ተታሒዞም ዘለው ባሕረኛታት ከውጽኦም ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣህጒራዊ ምክትታል ንግዳዊ ንጥፈታት ባሕሪ፡ ወሸመጥ ጊኒ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቅርሰና መራኽብ ዝረኣየሉ ከባቢ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ንቱርኪ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምኒስትሪ ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ይከታተሎን ይሰርሓሉ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ስርሒታት ባሕሪ ''ካድዮግሉ'' ኑማን ፓከሶይ፡ 12 ቐርሰንቲ ኸቢድ ኣጽዋር ሒዞም ነታ መርከብ ከም ዘጥቕዕዋ ሓቢሩ።

እቶም ቐርሰንቲ ኣብታ መርከብ ምስ ተሰቅሉ፡ ባሕረኛታት ኣብ ውሕስ ቦታታት እታ መርከብ ከም ዝተሓብኡን፡ እንተኾነ ግን እቶም ቐርሰንቲ ነታ መርከብ ከንድድዋን ንኹሎም ክቐትልዎምን ምስ ኣፈራርሑ ካብቲ ተሓቢኦሞ ዝነበሩ ገዛውቲ ከም ዝወጹ ንቢቢሲ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ቐርሰንቲ ዓሰርተ ባሕረኛታት ሒዞም፡ ነቶም ዝተረፉ ሾመንተ ነጻ ክኸዱ ከም ዝሓድግዎም ኣረዲኡ።

73% ሚእታዊት ናይ ባሕሪ ጭውያን ከምኡ'ውን 92% ሚእታዊት ሰባት ከም ጅሆ ዝተሓዙሉ ኣብ ወሸመጥ ጊኒን፥ ገማግም ባሕሪ ናይጀርያ፥ ቶጎ፥ በኒንን ካሜሩን ከም ዘጋጥም ጸብጻባት ኣህጒራዊ ምክትታል ንግዳዊ ንጥፈታት ባሕሪ የመልክት።

ኣብቲ ከባቢ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ናይጀርያ እቲ ዝረአ ዝነበረ ቅርሰና መራኽብ ምሉእ ብምሉእ ከንቈልቁል ከም ዝጸንሓ እቲ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ከባቢ ናይጀርያ ኣስታት 21 ፍጻመታት ቕርሰና ኣጋጢሙ። ኣብ 2018 ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ 31 ተርእዮታት ተመዝጊቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት