ብስርቂ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ቅርሺ ዘውጽኡ ትራንስፎርመራት ዝተጠርጠሩ ተቐይዶም

ምስሊ ትራንስፎርመር Image copyright Getty Images

ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ትራንስፎርመራት ከም ዝተሰረቕዎ ኣፍሊጡ።

ካብዚኦም እቶም ሸውዓተ ትራንስፎርመራት፡ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት መብራህቲ ብፈረቓ (ብእበረ) ትረክብ ኣብ ዝነበረትሉ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተሰረቑ ተገሊጹ።

እቶም ትራንስፎርመራት ብዝተወደበ ኩነታት ብቐትሪ'ውን ከይተረፈ ከም ዝተሰረቑ ናይቲ ትካል ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሸን ኣይተ መላኩ ታየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

የካ ኣብ ዝተበሃለ ክፍለ ከተማ ጥራይ፡ ዛጊት ትሸዓተ ትራንስፎርመራት ከም ዝተሰረቑ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ገበን ስርቂ ዝተሳተፉ ብዝብል ሓደ ዘዋሪ መኪና፣ ናብቲ ናይ ኤለክትሪክ ዓምዲ (ፓሎ) ብምድያብ ነቲ ትራንስፎርመር ዝፈትሕ ዝነበረን ሓጋዚኡን ብሓፈሻ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ገሊጹ።

ኮማንደር ፋሲካው፡ ካብ ሞንጎ'ቶም ዝተትሓዙ እቲ ሓደ፡ ን 12 ዓመታት መዓልታዊ ሰራሕተኛ ሓይሊ መብራህቲ ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ኣረዲኡ።

ኣይተ መልኣኩ ብወገኑ፡ እቲ ገበን ብሰብ-ሞያ ተሓጊዙ ዝተፈጸመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ካብቶም ዝተትሓዙ ጥርጡራት ሓደ፡ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሰብ፡ ቅድሚ 15 መዓልታት'ውን ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ክሰርቕ ተረኺቡ ብዋሕስ ከም ዝተፈትሐ ኣዘኻኺሩ።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ እቲ ሓደ "ብተመሳሳሊ ገበን ተኸሲሱ ጉዳዩ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ይርከብ" ዝበለ ኮማንደር ፋሲካው፡ ካብ ትካሉ ምስተባረረ፡ ነቶም ካልኦት ተጠርጠርቲ ንገበን ከም ዘበገሶምን የተሓብብሮም ከም ዝነበረን ተዛሪቡ።

ጥርጡራት ምርመራ ይካየዶም ከም ዘሎ ከኣ ወሲኹ ገሊጹ።

ዋጋ ትራንስፎርመር

ተጠርጠርቲ ዓበይቲ "ክሬናት" [ከቢድ ነገር ዘውርዳን ዘደይባን ማሽናት] ከም ዝተጠቐሙ ዝሓበረ ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሸን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ መላኩ ታየ፡ ነቲ ትራንስፎርመር ምሉእ ብምሉእ ኣልዒሎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጡ ንዘለዉ፡ ሽቦታትን ኮፐርን ፈልዮም ከም ዝወስዱ ኣረዲኡ።

ነቲ ገበን ክፍጽሙ ከለዉ ከኣ፡ ናይቲ ትካል ክዳን ደምቢ [ዩኒፎርም] ከም ዝኽደኑን፡ ህዝቢ ተጠራጢሩ ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ከም ዝሃበን ሓቢሩ።

ነቲ ዝሰረቕዎ እንታይ ይገብርዎ? ንመንከ ይሸጡሉ ኣብ ዝብል ምርመራ ይካየድ ኣሎ።

ሓደ ትራንስፎርመር ብማእኸላይ ገምጋም ክሳብ 400 ሽሕ ብር [ገንዘብ ኢትዮጵያ] ከም ዘውጽእን፡ ክሳብ 2.5 ሚልዮን ብር ዘውጽእ ትራንስፎርመር'ውን ከምዘሎን ኣይተ መላኩ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት