ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 400 መንበሪ ኣባይቲ ፈሪሶም

ኣብ ከባቢ ሮማናት መቐለ ዝፈረሱ መንበሪ ኣባይቲ Image copyright M_H

ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ፤ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማሕበረ ገነት፡ ልዕሊ 400 መንበሪ ኣባይቲ ብዶዘራት ብሓይሊ ከምዝፈረሰ ተገሊፁ።

ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ብፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ትግራይ ተዓጂቡ መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ከምዘፍረሰ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዚ ክፍጸም ከሎ ዝተቓወሙን ስእሊ ዝሰኣሉን ገለ ሰባት እውን ከምዝተኣሰሩ ሓቢሮም።

ብወገን መንግስቲ ትግራይን ምምሕዳር ወረዳ እንደርታን ግን ብዛዕባ'ዚ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

እንተኾነ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ህንጸት ዘይሕጋውያን መንበሪ ኣባይቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዘይምሕረት ከም ዝፈፍጸም ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብ ውራ መሬትን ህንጸት ዘይሕጋዊ መንበሪ ኣባይትን ዝተዋፈሩ ሰባት ድማ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ገዛ ካብ ዝፈረሶም ነበርቲ ሓደ ዝኾኑን ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩን ነባሪ "ብዶዘርን ካልእን ኣዕንዮምዎ። ብዙሕ ገዛውቲ ድማ ፈሪሱ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

'ካብ ቅድሚ 20 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰርሑ መንበሪ ገዛውቲ ኩሉ ብሓደ ክፈርስ ከም ዝተገበረ' ድማ ካልእቲ ናይቲ ከባቢ ነባሪት ትገልጽ።

"ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መረዳእታ ክሳብ ነቕርብ ግዜ'ውን ኣይተወሃበናን። ክፈርስ ዘይክፈርስን ኣይንፈልጥን ነይርና። ምሸት 'ዶዘር' ሒዞም መጺኦም ኣቑሑት ኣውጽኡ ኢሎምና" ትብል።

ድሕሪ ምፍራስ ኣባይቶም፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ናብ ከቢድ ጸገም ተሳጢሖም ከምዘለዉ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

"ካብ ክልል ኣምሓራ ተፈናቒሎም ዝመጽኡ'ኳ ኣብዚ መሬት ገዚኦም ነይሮም፡ ሕዚ ተመሊሶም ናብ ካልእ ጸገም ኣትዮም ኣለዉ" ኢላ እታ ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ነባሪት።

ገሊኦም ኣብ ማእኸል ሜዳ፡ ዳስ ብምስራሕ ኣጽሊሎም ከም ዝርከቡ ድማ ተዛሪባ።

ካልእ ነባሪ ድማ፡ 'ምስ ምሉእ ንብረቶምን ጥሪቶምን' ገዛውቶም ዝፈረሶም ከም ዘለዉ ብስልኪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ነበርቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ'ዩ ነዚ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ትሕዝቶ መሬት ድማ ምስ መንግስታዊ ኣካል ይዘራረቡን መረዳእታ ኣቕሪቦም መልሲ ይጽበዩ ኣብ ዝነበሩሉን እዋን ብሃንደበት እቲ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ይገልጹ።

እቶም ነበርቲ ከም ዝብልዎ ናይ ጣብያን ወረዳን ማህተም [ንሶም ከም ዝብልዎ ዋንነት ዘረጋግጽ] ኣብ ኢዶም ሒዞም ከለዉ መንበሪ ገዛ ፈረሶም ነበርቲ ኣለዉ።

ናይታ ስጉምቲ ምፍራስ እተወሰዳ ጣብያ ማሕበረ ገነት ኣመሓዳሪ ዝኾኑ ኣይተ ጥዑማይ ፍጹም፡ ኣብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ናይታ ጣብያ'ውን ዳኛ ኮይኖም ይሰርሑ'ዮም።

ንሶም ነቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣመልኪቶም "ካብ 4 ክሳብ 10 ርእሶም ስድራ ዝነብሩሎምን ካብ 1990 ]ኣ.ኢ] ጀሚሮም ዘመሓድርዎን ገዛውቲ ሓዊስካ፡ ልዕሊ 420 ዝኸውን ገዛውቲ ሕጋውን ዘይሕጋውን ዘይፈለኻ ክፈርስ ተገይሩ" ይብሉ።

Image copyright M_H

ብዛዕባ እቲ ምፍራስ ንህዝቢ ዝተወሃበ ቕድመ መጠንቀቕታ ከም ዘይነበረ ዝዛረቡ ኣይተ ጥዑማይ፡ በቲ ተግባር ዝሓረቑ ነበርቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምኻድ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ተዛሪቦም።

ወሲኾም ድማ "ናይ 1982 [ኣ.ኢ] መረዳእታ መሬት ዋንነት ዝሓዙ፤ ከምኡ'ውን ብ1992 ብሽግሽግ መሬት ዝረኸብዎ ምዃኖም ዝሕብርን ናይ 1996 ዕድሎት መጠሻ ዘረጋግጽ መረዳትን ምሓዞም ተራእዩ እዩ" ኢሎም።

ንሶም ከም ዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ 18 ሰባት ኣብ ጣብያ ፖሊስ ንኡስ ወረዳ እንደርታ ተኣሲሮም ይርከቡ።

ቢቢሲ ነቶም ኣባይቲ ኣፍሪሱ ንዝተበሃለ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። ኣብ ዝኾነ መዓልትን ሰዓትን ድማ ብወገኖም ንዝህብዎ ሓሳብ ንምትእንጋድ ድልዋት ከም ዝኾንና ንሕብር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ