ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብዚ ቅንያት ንዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ኮኒና

ካተድራለ ኣስመራ Image copyright Getty Images

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ምዕጻው ኣብያተ ጥዕና ኣመልኪቱ ኣብዚ ቅንያት ዝወሃብ ዘሎ መግለጽን ትንተናታትን 'ኣንፈቱ ዝሰሓተ' ክትብል ኮኒናቶ።

እቲ ብቤት-ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ 'እቲ ምስግጋር ማእከላት ጥዕና ንኣዋጅ ቁጽሪ 73/1995 ዝተኸተለን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጸረ ፍሉጥ ሕጋጋት መሰረት ዝገበረን እዩ' ንዝብል ትንታነ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቐዲማ ናታ ትዕዝብታ ኣነጺራ ምንባራ ገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ኣመልኪታ'ውን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክትዘራረብ ዕድመ ኣቕሪባ ከም ዝነበረትን፡ 'እታ ቤተ-ክርስትያን እተካይዶ ኣገልግሎታት ምስ ዝኾነ ሕግን ሕጋውነትን ከም ዘይጋጮን፡ በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ መሰል ናጽነታን እምነታን ከም ዝተተንከፈ' ገሊጻ።

ቀጺሉ እቲ መግለጺ፡ ማእከላት ጥዕና ብኻልኦት ገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ ዝለዝኾነ ንቤተ-ቤተክርስትያን ኣይምልከታን እዩ ንዝብል ሓበሬታታት፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ዝተለገሰ ምዃኑን፡ እቶም ገበርቲ ሰናይ ነቲ ክፍጸም ዝደልይዎ ኣገልግሎት ብድልየቶም ብካቶሊካዊ ማሕበራት ክካየድን ክመሓደርን ከም ዘረከብዎ፤ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ናይ ምውናንን ምጥራይን መሰል ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።

ብተወሳኺ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላትን ሚኒስትሪታትን ንብረት ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ኣሚኖም 'ብሕግን ብድግን' ብስም ቤተ-ክርስትያን ተመዝጊቡ ሕጋዊ መረቐት ዋንነት ከም ዝተውሃቦም እቲ መግለጺ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ እቲ ሕጊ "ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ንልምዓታዊ መደባት ወይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክምውላ ዓቕምን ድልየትን ምስ ዝህልወን፡ ኣብ ምውጣንን ምትግባርን ኢደን ከየእተዋ ኣብ ምምዋል ጥራይ ክዋሰኣ ይኽእላ" ከምዝብል ይጠቅስ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መግለጺኣ 'እታ ቤተ-ክርስትያን እተካይዶ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንካቶሊካውያን ጥራይ ዝተደረተ እዩ' ዝብል ክሲ "ናይ ሓሶት ጠቐነ" እዩ ኢላ።

ብተወሳኺ፡ 'ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ማእከላት ጥዕና መስፍሒ እምነቶም እዩ' ንዝተብሃለ ክትምልስ እንከላ "ዝኾነ ሰብ ንኽሕከም ካቶሊክ ኩን ወይ ብጎነጽ ዝተቐበሎ እንተሎ 'እነኹ ኣነ' ይበል" ድሕሪ ምባል፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንጸገም ሰባት ተበሊጻ ናታ እምነት ኣይተስፍሕን ይብል እቲ መልእኽቲ።

መንግስቲ ኤርትራ "ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን፡ ምኽንያቱ ድማ ተኸተልቲ ናይቲ ትካል ዘይኮኑ ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

እዚ ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኤርትራ "ኩለን ትካላት ሃይማኖት ምምሕዳራዊ ስልጣን ማእከላት ጥዕና" ንሚኒስትሪ ጥዕና ኣሕሊፈን ክህባ ከምዝተገበረ ይገልጽ።

እቲ መግለጺ ከምዝብሎ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ መንግስቲ ሕጊ ተኸቲሉ ዝገበሮ እዩ ይብል።