መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ - ኣስመራ ኣብ ሓደ ዓመቱ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወት Image copyright YEMANE GEBREMESKEL

ዓሚ ኣብ ከምዚ ቅነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ብዝበረረት ፈላመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 400 ኢትዮጵያውያን ኣጋይሽ ንመሬት ኤርትራ ረጊጾም።

ሽዑ ብቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያምን ኣብ ዝተመርሐ ፈላማይ በረራ'ዩ ኣካይዱ።

ስነጥበባውያንን ሰብሃፍትን ዝርከብዎም ብዙሓት ኢትዮጵያውን ድማ ናብ ኣስመራ ተጓዒዞም።

ንዓመታት ምስ ዝተፈላለይዎም ስድራ ክራኸቡ ዝደልዩ፣ ንከተማ ኣስመራ ንምርኣይ ዝተሃንጠዉ፣ ዘሎ ዕድላት ንግዲ ንምዕዛብ ዝሓሰቡን ካልእ ምኽንያታት ዝነበሮምን ኢትዮጵያውያን በታ ነፋሪት ተጓዒዞም።

ዳይሬክር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ኣስራት በጋሻው ነቲ ናይ ሽዑ በረራ ነቲ መገዲ ኣየር ታሪኻዊ ምንባሩ ይዛረብ።

"ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ንዝተጀመረ ምሕዝነትን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን መበሰሪ ስለዝነበረ፡ ብጣዕሚ ዘሕጉስ'ዩ ነይሩ። ኣብ ታሪኽ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ በረራ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ምሉእ ተጓዓዝቲ ዝረኸበሉ 'ዩ፤ ስለዚ ብታሪኻውነቱ ይዝከር" ኢሉ።

ክንደይ ተጓዓዝቲ?

ብድሕሪ'ቲ ፈለማይ በረራ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ኤርትራ ተወሰኽቲ በረራታት ንኸካይድ ዝጠልብ ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ከምዝወሰኸ እቲ ዳይሬክተር ይዛረብ።

"በዚ ምኽንያት እቲ መገዲ ኣየር ዘካይዶም በረራታት ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዘ፡ ብሰሙን 14 ክኾኑ ወሲኑ" ክብል ገሊጹ።

"ክሳብ ሕጂ ከባቢ 130 ሽሕ መንገደኛታት ካብን ናብን ፡ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ኣጓዒዝናለና። ንመገዲ ኣየርና ታሪኻዊ ዝበሃል ዓመት'ዩ። ጽቡቕ በረራ ዝገበርናሉን ዕውት ስራሕ ዝፈጸምናሉን እዋን'ዩ ነይሩ" ክብል ኣረዲኡ።

ስሩዕ ዝኾነ ኣገልግሎት በረራ ክካየድ ምጽንሑ ብምሕባር ድማ ዛጊድ ኣብ እዋን በረራ ዘጋጠመ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከም ዘይነበረ ተዛሪቡ።

ካብቲ ናብ ኣስመራ ዝግበር በረራ ብተወሳኺ፡ "ንመስመር ኣየር ኤርትራ ኣቋሪጽካ ብምሕላፍ ንዝካየዱ ካልኦት ዓለማዊ በረራታት'ውን መገዲ ከፊቱ'ዩ" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ወጻእታትን ሰዓታትን ዝነከየ በረራ ምክያድ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲኡ።