ስግኣት ዝዓሰሎ ሕቶ ክልል ሲዳማን ቅንያት ሃዋሳን

መንእሰይ ሲዳማ

ዕለተ ሰኑይ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 8 ሓምለ፡ 2011 ንጉሆ ሰዓት 4፡00 [10፡00] ኣብ ከተማ ሃዋሳ ጥሩንባ ሞተር ሳይክል ክስማዕ ጀሚሩ። እክብ እክብ ኢሎም ብሓጎስ ዝስዕስዑ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን መናእሰይ ኣብታ ከተማ ብብዝሒ ተራእዮም።

ብፍላይ ኣቶቴ ተብሂሉ ኣብ ዝፍለጥ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብሄረ ሲዳማ ዝነብርሉ ከባቢ ሃዋሳ፡ ዓቐን ዝሓለፎ ሓጎስ ሕምብርቲ እቲ ድባብ ነይሩ።

ብዓበይቲ መኻይን ተፃዒኖም ናብታ ከተማ ዝመፅኡ ሰባት፡ ብዝሒ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰባት ክብ ኣቢልዎ። ብጉጅለ ዝተኣከቡ ሰባት ድማ ሓጎሶም ንምግላፅ፡ ምስ ሃይማኖታዊ መዝሙራት ዝተሓናፈፁ ዝተፈላለዩ ደርፍታት የስምዑ ነይሮም።

መብዛሕትኦም፡ ብቋንቋ ሲዳማ ሓይሊ ኣምላኽ ዘመልክቱን፡ ብሲዳምኛን ኣምሓርኛን "ሕዚ ፀላእየ እንታይ እዩ ክብል" ከምኡ እውን "ፀላኢ ዓይኑ እናርኣየን እዝኑ እናሰምዐን" ብዝብሉ መዝሙራት ሓጎሶም ንምግላፅ የዝይሙ ነይሮም።

ገሊኦም ድማ፡ "ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ" ዝብል ፅሑፍ ዝተፅሓፎም ማሊያታት ሓጎሶም ንዝገልፁ ሰባት ይሸጡ፤ ካልኦት ድማ ብምሒር ሓጎስ ኣብ መንገዲ ንዝረኸብዎ ኩሉ እናሓቖፉ፡ "እንኳዕ ደስ በለኩም" ይብሉ ነይሮም።

ገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ደኢህዴን ዞባ ሲዳማ ርእሳ ዝኸኣለት ክልል ንክትኸውን ኣብ ዘኽእል ውሳነ በፂሑ ዝብል ወረ ስለ ዝተሰምዐ እዩ፡ ኣብታ ከተማ እዚ ኹሉ ስምዒት ሓጎስ ዝሰፈነ።

ዋላ'እኳ ነዚ ዝተላብዐ ወረ ዘረጋግፅ፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተረኸበ መረዳእታ እንተዘይሃለወ፡ በቲ ዞባ ዝተልዓለ ሕቶ ክልል መልሲ ከም ዝረክብ ብዙሓት እምነት ነይርዎም።

ይኹን'ምበር ዋላ ሓደ ነገር እንከይተሰምዐ እታ መዓልቲ ሓሊፋ። ብፅባሒቱ ድማ ከተማ ሃዋሳ ክትሕመስ ውዒላ።

ኣብ ዕለተ ሰኑይ ዝነበረ ሓጎስ፡ ዕለተ ሰሉስ ጉዱማሌ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብኣኼባታት ተተኪኡ።

እቶም ኣኼባታት ድማ፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ንዝወሃብ መልሲ ህዝቢ ዝያዳ ብሃንቀውታ ንክፅበይ ገይሮም።

ድሕሪ እዚ፡ ተኸታቲሎም ብገዛኢ ሰልፊ ክልል ደቡብ ደኢህዴንን ቦርድ መረፃ እታ ሃገርን ዝተውሃቡ መግለፅታት ግን፡ ኣብ ዞባ ሲዳማ ዝነበረ ስምዒት ሓጎስ ኣዝሒለሞ።

ስግኣትን ወጥር

ተሓለቕቲ መሰል ብሄር ሲዳማ፡ ብዘይ ገለ ፍቓድ፡ 11 ሓምለ 2019 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ክልል ናይ ምዃን ሕቶኦም ተግባራዊ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ዕለት፡ ቀይሕ ቆቢዕ ዝገበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር'ውን፡ ኣብ ክፉታት መኻይን ኮይኖም፡ ቀንዲ ከባብታት እታ ከተማ እናተዘዋወሩ ይዕዘቡ ነይሮም።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ሕብረ-ብሄራዊት ኣብ ዝኾነት ከተማ ሃዋሳ ውጥረት ከም ዝዓሰለ ዘመላኽት እዩ።

ኣባል ብሄር ሲዳማ ዘይኮነ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ወተሃደራት ኣብታ ከተማ ምውፋሮም፡ ድሕንነት ንክስመዐኒ ገይሩ ኢሉ።

"ሓቂ ዘረባ ሓደ ሕማቕ ነገር እንተድኣ ኣጋጢሙ፡ ኣብ ፖሊስ እቲ ክልል እምነት የብለይን" ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ከተማ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጎንፂ ድማ ከም ኣብነት ይፀርሕ።

ተሓለቕቲ መሰል ብሄር ሲዳማ ግና፡ ገለ ሰባት ከም ዝሰግእዎ ሓድሽ ክልል እንክምስረት ዓሌት መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ወይ ጥቕዓት፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ሲዳማ ዘይኮኑ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣይቕበልዎን፤ ኣትሪሮም ድማ ይኹንንዎ።

መምህር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ሓጋዚ ፕሮፌሰርን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰልን ተሰማ ኤልያስ፡ "ቃልሲ ህዝቢ ሲዳማ ፀለሎ ንምኽዳን ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ኣለዉ" ይብሉ።

"ካብ ሞንጎ እዚኦም ድማ ካልኦት ብሄራት ብፍሉይ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓደ እዩ"።

ክልል ሲዳማ እንክምስረት፡ ምስ ካልኦት ማሕበረሰባት ብዛዕባ ዝህልዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ከተማ ሃዋሳን ካልኦት ጉዳያትን፡ ትልምታት ዘውፅእን ዝመርሕን ግብረ ሓይሊ ስሙያት ሰባት ኣካቲቱ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ገለ ምንጭታትይሕብሩ።

እዚ ጉጅለ ቅድሚ 19 ሓምለ ኣብ ዘለው መዓልታት ብዛዕባ ዝበፅሖ ብርኪ ንቦርድ መረፃ ከቕርብ ትፅቢት ይግበር።

እምነት ምስኣን

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተሓለቕቲ መሰልን ኤጀቶ ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ ጉጅለ መናእሰይ ኣባላት ኢና ዝብሉን ሰባት ከኣ፡ በዚ ኩነታት ከም ዝሓዘኑን፡ ኣብ ገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ደኢህዴን እምነት ከም ዘይብሎምን ገሊፆም።

ገሊኦም ድማ፡ እቲ ውድብ ሕቶ ክልል ምዃን ህዝቢ ሲዳማ፡ ከተዓናቕፍ እዩ ፀኒሑ ብምባል ንደኢህዴን ይኹንንዎ።

ለምለም ፀጋየ፡ "ደኢህዴን፡ ንሕቶ ሲዳማ ምላሽ ንምሃብ ቆራፅ ኣይኮነን፤ ህዝበ ውሳነ ]ረፈረንደም] ንኽካየድ ፀኒዖም ኣይደገፉን። ነዚ እዩ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣቲና ዘለና" ክትብል ተዛሪባ።

ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ሕቶ ክልል ሲዳማ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ፀገም፡ ካልእ ተወሳኺ ሸኽሚ ከም ዝኾነ ይገልፁ።

ኣብ ዓለም ዘጋጥሙ ፀገማት ዝከታለልን፡ ተንታኒ 'ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ' ዊልያም ዳቪሰን፡ ብርክት ዝበሉ ብሄራት ሕቶ ክልል ኣብ ዘቕረብሉ ክልል ደቡብ ዘሎ ፀገም ሱር ዝሰደደ እዩ ይብል።

"እዚ ድማ መንግስቲ ንምውሳን ንክፅገም ካብ ሞንጎ ዝገበሩ ነገራት እቲ ቀንዲ እዩ። ሕቶ ክልል ሲዳማ እንተተቐቢሉ፡ ስዒቡ'ኸ እንታይ እዩ ከጋጥም? ብምባል ዝሓትት ዳቪሰን፡ "ናይ ዝተረፉ ሕቶ ትሽዓተ ብሄራት'ኸ ክቕበሉ ድዮም? እንተዘይተቐቢሉ'ኸ እቶም ካልኦት እንታይ እዮም ክብሉ? እንተተቐቢለሞ'ኸ ስዒቦም ዝመፅኡ ሕቶታት ክልል ክቕበሉ ድዮም?" ኢሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት።

ተሓላቒ መሰል ተሰማ ብወገኑ፡ ካብ ሲዳማ ብተወሳኺ፡ ክልል ንምዃን ንዝሓተቱ ኩሎም እዩ ዝድግፍ። ኮይኑ ግና፡ እዞም ሕቶታት ንክለዓሉ ዝተገበሩ፡ ሕቶ ሲዳማ ንምዕፋ እዩ ብምባል ንገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ይቃወም።

"እዚ እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ እዞም ኩሎም ሕቶታት ክሳብ ሕዚ ኣበይ ነይሮም?" ክብል ይሓትት።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ እውን፡ ድሕሪ እዚ ኩሉ ሓጎስን ደንገርገርን፡ ሲዳማ ክልል ንክኸውን ንምውሳን ዘኽእል ህዝበ ውሳነ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ከም ዝካየድ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ እዩ።

ድሕሪ እቲ መግለፂ ንቢቢሲ ርኢትኡ ዝሃበ መንእሰይ፡"ሒደት ኣዋርሕ ንምዕጋስ ፀገም የብለይን፤ ዘፍርሐኒ ነገር ግና፡ ሕቶና ካብ ኢድና ተመንዚዑ እንተተረፈኸ?" ክብል ስግኣቱ ገሊፁልና።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ