ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 'ስግኣታት ይዓስል ኣሎ'-ኢሉ

ሰመጉ Image copyright ሰመጉ

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ሰመጉ)፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቶ ክልልነት ሲዳማ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝሃቡዎ መልሲ እቲ ወጥሪ ክጋደድ ገይሩዎ ኢሉ።

ሕቶ እዚ ጉዳይ ክልል ሲዳማ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣካላት፡ ንሎሚ ዕለት ክልል ንምዃን ብወግዒ ከምዝእውጁ ወሲኖም ነይሮም። ካብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ወርሒ ክጽበዩ ዝቐረበሎም መማረጺ ድማ ኣይንቕበልን ይብሉ።

እቲ ውሳነ፡ መንግስቲ ነቲ ሕቶ ግቡእን እዋናውን መልሲ ከይሃበ ብምፅንሑ ዝነቐለ ምዃኑ፡ እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ህጹጽ መግለጺ ኣስፊሩ።

እዚ ድማ ብፍላይ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ 'ትዕግስቲ ግበሩ እንተዘይኮይኑ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና' ብዝዓይነቱ ዘረባ ከምዝተጋደደ እቲ መግለጺ ኣመላኺቱ።

ሎሚ ዕለት እቲ ብዕሊ ክእወጅ ትፅቢት ዝግበረሉ ክልል ሲዳማ፡ ኣብ መንጎ መናእሰይን ዓበይቲ ዓድን ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ወጥሪ ከምዝነገሰ ይዝረብ ኣሎ።

ዘይመንግስታዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኢሰማጉ፤ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተርኣዩ እወንታዊ ለውጥታት፡ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ዝንባለ ይርአይ ኣሎ ዝብል ስግኣት ዝሓዘለ እዩ።

ብፍላይ ምስ ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ጀነራላት ምክልኻል ሃገርን ተኣሳሲሩ ኣባላት፡ ተቓወምቲ ውድባት ይእሰሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ብሓፈሻ ናብ ሓደ ሚእቲ ዝጽግዑ ኣባላት ኣብን፣ ኢዜማን ኦፌዴንን ዝተብሃሉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ብሕጊ ጸረ-ራዕዲ ክሲ ይምስረቶም ከምዘሎን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ምስዚን ምስ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ተኣሳሲሩ ድማ ፤ እቲ ትካል "መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ይኸውን ኣሎ" ዝበሎ ኢንተርኔት ዝተፈላለዩ ምኽኒታት እናፈጠርካ ብሃበ ተረኽበ ምዕጻው ዘይግቡእን ክእረም ዘለዎን ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ኢሉዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ሃገር ተፈጺሞም ዝበሎም ክስተታት ብምዝርዛር፡ እዚ ለውጢ ከምጸእ'ዩ ተባሂሉ ዝተተስፈወሉ ኣመራርሓ ቅድም ኢሎም ክፍጸሙ ዝጸንሑ ግፍዕታት ደጊሙ ናይ ምፍጻም ዝንባለታት የርእይ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ውድባት ህወሓትን ኣዴፓን ዝተርአየ ምውጣጥ ድማ፡ እቲ ሃገራዊ ስግኣት ዝበሎ ዘበኣእስ ምዃኑ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ኣብዛ ሃገር ዜጋታት ከምድሌቶም ብነጻነት ተንቀሳቒሶም ከይነብሩ ዘስግእ ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።