ሲኖዶስ፡ 'ሳልሳይ ፓትሪያርክ ነበር ደጊም ካብ ቤተ-ክርስትያን ውጹእ'ዮም'

ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ Image copyright TEWAHDO.ORG/SCREENSHOT
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ

ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞም ትማሊ 17 ሓምለ 2019 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ቤተክርስትያን 'ልሳን ተዋህዶ' ዝወጸ መግለጺ፡ 'ኣብ ሕብረት መናፍቓን እምበር ወልድ ዋሕድ ኣብ እትብል ርትዕት ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ከም ዘየለዉ ንህዝቢ እናገለጸ ጉዳዮም ብውግዘት ከምዝዓጸዎ የፍልጥ" ይብል።

ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ንሳልሳይ ፓትሪያርክ 'በቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ተጣዒሶም ኪምለሱ'፡ ካብ ሰናይ ድልየት ተበጊሶም እኹል ግዜን ጻዕርን ከም ዝገበሩን፡ እንተኾነ ግና እቲ ፓትሪያርክ ካብ ''ጉጅለ መናፍቐን'' ክፍለዩ ፍቃደኛ ስለዘይኮኑ ከም ዝወገዞም ኣፍሊጡ።

እቲ መልእኽቲ፡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ነበር 'ክሕደቶም ስለዘፍለጡ' ኣብ ዝኾነ 'ጸሎት ከይለዓልን ከይዝከርን' ድሕሪ ምሕባር፡ ነዚ ብቤተ-ክርስትያን ዝተዋህበ ትእዛዝ ዝጠሓ ድማ ከም ''ተሓባበሪ መናፍቓን'' ተሓሲቡ፡ ሓያል መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ከም ዝውሰድ ''ብጥብቒ'' የጠንቕቅ።

Image copyright Lisantewahdo

"ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበር ደጊም ካብ ቤተ-ክርስትያን ውጹእ ብምዃኖም ዝኾነ መንፈሳዊ መሰል ዘይብሎም እኳ እንተኾኑ፡ ስለቲ ዝቐደመ ቤተ-ክርስትያን ብዓይኒ ርኀራኄ ብምጥማት፡ ኣብቲ ዘለዉዎ መንበሪ ቤተ-ክርስትያን ክጸንሑ፡ ከም ቀደሞም ኩሉ ሰብኣዊ መሰሎም ክሕለወሎም ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዝወሰነ'ውን የፍልጥ"።

እቲ መግለጺ ናይ 5 ጳጳሳት ፌርማ ከም ዘለዎን፡ ሓደ ካብኣቶም ከም ዘይፈረመን ይዝረብ ኣሎ።

ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝጸንሐ ተጣበቕቲ መሰላትን፡ ገለ ኣባላት ቤተ-ክህነት ናይታ ቤተ-ክርስትያንን ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም።

እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንበረ ስልጣኖም ድሕሪ ምውራዶም፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ተኸፋፊላ'ያ ጸኒሓ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ነቲ ብሲኖዶስ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምቅዋም፡ ከም ዘይቅበልዎን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ተዛሪቦም።

እቶም ብ'ዓቃቤ-መንበር" ናይቲ ዝወረደ ፓትሪያርክ ዝፍለጡ ኣቡነ መቃርዮስ፡ እዞም ካብ ስልጣኖም ኣውሪዶም ዘውገዝዎም ጳጳሳት፡ ነቶም ዝሸምዎም ኣቡነ ኣንጦንዮስ "ክግዝትዎም" ኣይክእሉን'ዮም ድሕሪ ምባል፡ "ሃዋርያዊ ሰንሰለት" ተጣሒሱ ኢሉ።

ሓድሽ ፓትሪያርክ ክሳብ ዝሸይም ድማ፡ ንጳጳስ ዞባ ማእከል ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣቡነ ጴጥሮስ "ዓቃቤ መንበር ገይሩ ብሥሙር ድምጺ ከም ዝመረጾም ንኹሉ ብኣኽብሮት ይሕብር" ክብል ኣፍሊጡ።

እቲ ዝምረጽ ፓትሪያርክ መበል ሓሙሻይ ክኸውን'ዩ።