ቁራጽ እግሩ ኣብ ናይ ሽጋራ ባኮ ዝረኸበ ውልቀሰብ

ሓደ እግሩ ዝተቖረፀ ውልቀሰብ፡ ኣብ ናይ ሽጋራ ባኮ ተለጢፉ ዘርእይ ስእሊ Image copyright RADIO FRANCE

ሓደ ውልቀሰብ ዝተቖረፀ እግሩ ኣብ ናይ ሽጋራ ባኮ ሽፋን ስእሊ ረኺብዎ። እዚ ኣብ ምብራቓዊ ፈረንሳይ ዝረኸቦ ቁራፅ እግሩ ኣሰንቢድዎ እዩ።

እዚ ወዲ 60 ዓመት ኣልባኒያዊ ውልቀሰብ፡ ቁራፅ እግሩ ብዘይ ናህቱ ፍቓድ ብኸመይ ኣብቲ ባኮ ክልጠፍ ከምዝኸኣለ ሕንቅል ሕንቅሊተይ እዩ ኮይንዎ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ናይቲ ሽጋራ ባኮ ዝተቐመጠ ስእሊ፡ "ሽጋራ ምትካኽ ንኸምዚ ዓይነት ጉድኣት የሳጥሕ" ዝብል መጠንቀቕታ ተፃሒፍዎ እዩ።

ዋላ'ኳ ኣብ ባኮ እቲ ሽጋራ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ዝሃዘለ መጠንቀቕታ እንተተሓተመ፡ እቲ ሓደ እግሩ ዝሰኣነ ውልቀ ሰብ ግና ሽጋራ ዘትክኽ ኣይነበረን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1977 ኣብ ኣልባኒያ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነቷጊ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ድማ ገሊፁ።

ጠበቓ እቲ ውልቀሰብ፡ ንኮሚሽን ኣውሮጳ ከምዝኸስስ ሓቢሩ ኣሎ።

ውላድ እዚ ውልቀሰብ ሽጋራ ንከትክኽ ባኮ ሽጋራ ኣብ ዝዓደገሉ እዋን እዩ፡ ናይ ኣቡኡ ምስሊ ዝተቖረፀ እግሪ ዝረኣየ።

እዚ ስእሊ ናይ ኣቡኡ ዝተቖረፀ እግሪ ምፍላይ ዝኸኣለ ድማ፡ ጎሊሆም ብዝረኣዩ በሰላታትን ጭሕባራትን እዩ።

እዚ ውልቀሰብ ስእሊ ዝተቖረፀ እግሩ ንመላለይ ሽጋራ ንምጥቃም ከምዘይተሓተተ ተዛሪቡ።

ምናልባት እቲ ጉድኣት ምስ ኣጋጠሞ ወላዲኡ ተለዋጢ እግሪ ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝኸድሉ ግዘ፡ ስእሊ ስለዝተስኣለ፡ ካብኡ ተወሲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።

ጠበቓ እቲ ውልቀሰብ በቲ ኣጋጣሚ ከምዝተገረመንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብኸመይ ሓደ ሰብ እንከይተሓተተ ንገዛእ እግሩ፡ ኣብ ናይ ሲጋራ ባኮ ተለጢፉ ይረኽቦ? ኣብ መላእ ኣውሮጳ?" ኢሉ።

ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ንምፅራይን ርኢቶ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብን ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ተወሳኺ ዛንታ