እስራኤል ብኳዕቲ ልዕሊ 1 ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መስጊድ ረኺባ

እቲ መስጊድ ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ እዩ ተረኺቡ። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ መስጊድ ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ እዩ ተረኺቡ።

ኣብ እስራኤል ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ፡ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ እስራኤል፡ ቅድሚ 1,200 ዓመት ኣቢሉ ዝተሃነጸ መስጊድ ረኺቦም።

እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ዝበሃሉ እዩ።

ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ መስጊድ ዝተረኸበ ንህንጸት ተባሂሉ ኳዕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እዩ።

Image copyright Israel's Antiquities Authority
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብቲ ሓድሽ ዝተረኸበ መስጊድ ክሰግድ እንከለዉ

እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ምስቶም ኣብ መካን እዮርሳሌምን ዝተረኸቡ ናይቲ ዘመን መሳጊድ ብዕድመ ዝቀራረብ ምዃኑ'ውን ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ገሊጹ።

ነቲ ኳዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ብወገኖም "ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረኸቡ ኩሎም ፍልይ ዝበለ" ክብሉ ገሊጾምዎ።

ነቲ መስጊድ ድማ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ይጥቀምሉ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባል ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ መብርሂ ክህብ እንከሎ

እቲ መስጊድ ናሕሲ ኣልቦ ክኸውን እንከሎ፡ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ዝተሃነጸ እዩ።

Image copyright Getty Images

እቶም ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዘጽንዑ ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እቲ መስጊድ፡ ሃይማኖት እስልምና ናብታ ናይ ሎሚ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ናይ መፈለምታ ዓመታት ካብ ዝተሃነጹ ፈላሞት መስጊዳት ሓደ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት