‘ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ኮንቴይነር ዝተኣሰረት’ ኤርትራዊት ሄለን ብርሃነ ምስ ትራምፕ ተራኺባ

ሄለን ብርሃነ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምስ ዝመጹን ብሰንኪ ሃይማኖቶም ማእሰርትን ግፍዕን ዝበጽሖም 27 ሰባት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ተራኺቡ።

ካብቶም ውጻእ-መዓት ሓንቲ ድማ፡ ኤርትራዊት ሄለን ብርሃነ እያ። ሄለን ንርእሳ ንፕረዚደንት ትራምፕ ክተላልዮ እንከላ፡ ኤርትራዊት ዘማሪት ምዃና ገሊጻትሉ እያ።

"ብሰንኪ እምነተይ [ኣብ ኤርትራ] ን 32 ኣዋርሕ ኣብ ሓጺን ኮንቴይነር ተኣሲረ እየ" ክትብል ዛንታኣ ብሓጺሩ ነቲ ፕረዚደንት ነጊራቶ።

ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ እምነቶም ሕጂ'ውን ዝተኣሰሩ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዘለዉ'ውን ገሊጻትሉ።

"ፓስተራትና ሕጂ'ውን ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ" ዝበለት ሄለን፡ ስም ሳልሳይ ፓትርያክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ'ውን ጠቒሳ።

ምስ ትራምፕ ዝተራኸበትሉ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ ድማ 'ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ክትኮኖም' ምዃና ተዛሪባ።

Image copyright EPA

ማእሰርቲ ሄለን ብርሃነ

ወንጌላዊት ዘማሪት ሄለን ብርሃነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ 'ብሰንኪ እምነታ' ከምዝተኣሰረት እያ ትገልጽ።

ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት ንኣስታት ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ሓጺን ኮንቴይነር ተኣሲራ ንዝነበረትሉ ኩነታት ከምዚ ክትብል ትገልጾ።

"እኹል መግቢ ኣብ ዘይብሉ ቦታ፡ ኣብ ለይቲ ኣዝዩ ቆራሪ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ድማ ኣዝዩ ውዑይ ኣብ ዝኾነ ቦታ እየ ተኣሲረ ነይረ" ትብል።

ድሕሪ ማእሰርታ ካብ ሃገራ ዝወጸት ሄለን፡ ኣብ ዴንማርክ ዑቕባ ረኺባ ትነብር ኣላ።

ሄለን፡ ኣብ 2017 ኣብ ዝተጋበአ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኒውዮርክ ተረኺቦም ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓንቲ እያ

ሽዑ "ኣብቲ ንሕና ተኣሲርናሉ ዝነበርና እዋን ብዘይካ እቲ ዘስካሕክሕ ግፍዓዊ ኣተሓሕዛ፡ ዋርድያታት ናብቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ኮነተይነር ኣይኣትዉናን እዮም ነይሮም። ሕጂ ካብ ግዳያት ዘለኒ ሓበሬታ ግን ኣነዋሪ ጾታዊ ዓመጽ ከይተረፈ ይፍጸም ምህላዉ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ከምልኹ ዝተረኽቡ እዮም ዝእሰሩ ነይሮም ሕጂ ግን ዳርጋ ብገዛ ገዛን ስድራ ብምልእታ ከይተረፉን እዮም ዝእሰሩ ዘለዉ። እታ ምስ በዓል ቤታን ውላዳን ተኣሲራ ኣብ ራብዓይ ወርሓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተት ኣማኒት ሓፍትና ፍቓዱ ከኣ ሓንቲ ኣብነት እያ" ክትብል ተዛሪባ ነይራ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ ኣብ ድሕሪ ዶናልድ ትራምፕ ደው ኢላ ትረኣይ

ናጽነት ሃይማኖታት ኣብ ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖታትን መሰላት ኣመንትን ኣየኽብርን ዝብል ተደጋጋሚ ወቐሳታት ይቐርቦ እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እትከታተል ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳኔላ ክራቨትስ "ትካላት ሃይማኖት ብነጻነት ክሰርሓን፡ ኤርትራውያን ዝመረጹዎ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ መሰሎም ክተኽብር ኣለዋ" ክትብል ጸዊዓ እያ።

መንግስቲ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃይማኖታት ጥራሕ'ዩ ብወግዒ ዝፈልጥ። ንሰን ድማ ኦርቶዶክስ ክርስትያን፣ እስልምና፣ ሮማ ካቶሊክን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን እየን።

መንግስቲ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ሃይማኖታዊ ናጽነት ዜጋታት ኣይተኽብርን ንዝብል ክስታት ብቐጻልነት እዩ ዝነጽጎ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ የማነ ገብረመስቀል ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ ኤርትራ እኮ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኮይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል ናይ እምነት ተኽብር ሃገር እያ። ... መንግስቲ'ውን ኢዱ ዘእትወሉ ኣይኮነን። ኣነ ተደልኹ ይኣምን ተዘይደለኹ ኣይኣምንን። መንግስቲ ነዚ እመን ነቲ ኣይትእመን ክብለኒ ኣይክእልን እዩ" ይብል።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለማዊ ትካላትን ዝወጹ ጸብጻባት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ገለ ኣመንቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጽም እዮም ዝገልጹ።