ክልል ኣምሓራ፡ ምግቢ ብምሕሳም ዝኣደሙ እሱራት ሓለፍቲ ጸጥታ ነበር

ብ/ጄ ተፈራ ማሞን ኮሎኔል. ኣለበል ኣማረን Image copyright FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ብ/ጄ ተፈራ ማሞን ኮሎኔል ኣለበል ኣማረን

ሰነ 15 ቀን 2011 ዓ.ም ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈቲኑ ምስ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግሥቲ' ተዛሚዱ ዝተጠርጠሩ ሓለፍቲ ነበር ጸጥታ እቲ ክልል ሓዊሱ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ሓቢሩ።

ካብ መንጎ እዚኦም፡ ሓለፍቲ ዘፈር ጸጥታ እቲ ክልል ዝነበሩ ብርጋዲየር ጀኔራል ተፈራ ማሞ፣ ኮሎኔል ኣለበል ኣማረ፣ ኮሎኔል ባምላኩ፣ ኮሎኔል ኣለባቸውን ሻለቃ እሸቱን ይርከቡዎም።

እዞም ካብ ጽባሕ ሰነ 15 ጀሚሩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ፡ ካብ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጀሚሩ 'ፍትሒ ስኢንና' ብዝብል፡ ኣብ ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ከምዝርከቡ ገለ ስድርኦም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዘመድ ብርጋዲየር ጀኔራል ተፈራ ማሞ ዝኾነት መነን ኃይለማሪያም፡ ካብታ ዝተኣሰሩላ መዓልቲ ጀሚራ ናብ ቤት-ማእሰርቲ እናተመላለሰት ከምእትሓቶም ተዛሪባ። "ፍትሒ ንደሊ ኢና። ብዘይበደልና ኢና ተኣሲርና ንሳቐ ዘላና" ከምዝበሉዋ ትዛረብ።

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብዚ ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ዝነበሩ እዞም እሱራት፡ ትማሊ መራሕቲ ሃይማኖት ከይዶም ስለዝገዘቱዎም ጥራሕ ምግቢ ከምዝጠዓሙ ትዛረብ።

እቲ ክስተት ምስተፈጥረ ናብ መንግስቲ ፌድራል ክውሰዱ ኢሎም መንግስቲ እቲ ክልል ከምዘትረፎምን፡ ጉዳዮም ኣብቲ ክልል ክረአ ከምዝተገብረን'ውን ተዛሪባ።

ከይኑ ግና፡ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝነበሩ ቆጸሮታት ቤት-ፍርዲ እቲ ክሶም እንታይ ከምዝኾነ'ኳ ተነጊሩዎም ከምዘይፈልጥ ገሊጻ።

"ትማሊ ጥራሕ እዩ ጠበቓ ክተዛርቡ ትኽእሉ ኢኹም ተባሂሎም፤ ምስ ጠበቓ ድማ ኣራኺብናዮም" ትብል።

ብርጋዴር ጀኔራል ተፈራ ማሞ ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ብጥይት ተወቒዑ ዛጊድ ዘይወጸ ጥይት ኣብ እግሩ ከምዘሎዎን ይሳቐ ከምዘሎን'ውን መነን ወሲኻ ሓቢራ።

ወዲ ኮሎኔል ኣለበል ናትናኤል ብወገኑ፡ በቲ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ዝተወሰነ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ይዛረብ።

ዛጊድ ክሲ ከምዘይተመስረቶምን ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተጠርጠሩ ከምዘይተገለጸሎምን ይዛረብ።

ንዕለት 19 ሓምለ 2011 ዓ.ም ከምዝተቖጸሩ ተፈሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ አዳሙ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልል ዝተፈጸመ ቅትለት ተኣሳሲሩ፡ ቅርበት ኣለዎም ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም።

ካብኡ ወጻኢ እቶም ሓለፍቲ ጸጥታ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣስሩ ዝርዝር ጉዳይ ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም።

"እቲ ናይ ምጽራይ ከይዲ ግዘ ዝወስድ'ዩ" እውን ኢሎም።

ምስቲ 15 ሰነ ዝተፈጸመ ቅትለት ተዛሚዱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተኣሲሮም ዝነበሩ እንትኸውን፡ ካብ 100 ንላዕሊ ሰባት ተፈቲሖም ኣለዉ። ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዘለዉ'ውን ኣለዉ።

"ሕዚ'ውን እናጻረና ምእሳርን ምፍታሕን ክንቅጽል ኢና" ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ