ኣሜሪካዊ ሩዝላን ማራቶቪች ኣሳይኖቭ ብተግባራት ግብረ ራዕዲ ተኸሲሱ

ሩዝላን ማራቶቪች ኣሳይኖቭ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩዝላን ማራቶቪች ኣሳይኖቭ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ

ንጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ፡ ተኳሲ ቅጭ ሕርሙ (ብመንጽር ዒላማ ዝጭምት ብረት) ኮይኑ የገልግል ነይሩ ዝተብሃለ ኣመሪካዊ ዜጋ ብኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ተኸሲሱ።

ሩዝላን ማራቶቪች ኣሳይኖቭ፡ ንጉጅለ ግብረ-ራዕዲ (ሽበራ)፡ ስልጠና ብምሃብን ድጋፍ መሳርሒ ብምግባርን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ካዛኪዝታን ዝመበቆሉ ሩዝላን፡ ብሓይልታት ኩርዲሽ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ደሓር ድማ ንኤፍቢኣይ (FBI) ኣሕሊፎም ሂቦምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ኣሜሪካ ንክምለስ ዝተገበረ ኣሳይኖቭ፡ ኣብ ኒውዮርክ ቤትፍርዲ ፌደራል እዩ ቀሪቡ።

ናብ ቤትፍርዲ ንምቕራብ ካብ ሶርያ ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ዝተገበረ ፈላማይ ተዋጋኣይ ናይ እስላማዊ ጉጅለ ከምዝኾነ ይእመን። ክሳብ ሕዚ ግና ናቱ ቃል ኣይተሰምዐን።

ወዲ 42 ዓመት ኣሳይኖቭ ኣብ ብሮክሊን፡ ኒውዮርክ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2013 ከምዝለቐቐ መርመርቲ ገሊፆም።

ድሕሪ እዚ ናብ ሶርያ ብምኻድ፡ ናብ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ ተፀምቢሩ፤ 'ኢሚር' ዝብል መዓርግ ንምርካብ ድማ ዝተፈላለዩ ብርክታት ከምዝሓለፈ መረዳእታታት ቤት-ፍርዲ ይሕብሩ።

'ኢሚር' (ሓለቓ)፡ ንመሳርሕታት ኩናት ሓላፍነት ብምውሳድ ዘሰልጥን ሰብ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ኣብ ሶርያ እናሃለወ እውን ኣብ ኣሜሪካ ምስዝነበሩ ሰባት ርክቡ ከምዝቐፀለሉን፡ ኣብ 2015 "ንሕና ኣብ ዓለም ኣዚና ዝኸፋእና፡ ጉጅለ ግብረ-ራዕዲ ኢና" ዝብል መልእኽቲ ፅሑፍ ሰዲዱ ነይሩ ይብሉ መርመርቲ።

ኣብ ኒውዮርክ ንሓደ ሓበሬታ ከቐብል ብፖሊስ ዝተመደበ ሰብ እንከይፈለጠ ክምልምሎ ፈቲኑ ከምዝነበረ እውን፡ እቲ ናይ ምርመራ መረዳእታ ይሕብር።

"ካብ ኣሜሪካ ዜግነት ብምርካብ ኣብ ብሩክሊን ይነብር ዝነበረ ተኸሳሲ፡ ናብ ሃገሩ ብምምላስ ናብ ኣይኤስ ተፀምቢሩ። ቀፂሉ ናብ ሶርያ ብምምራሕ ድማ፡ ካልኦት ኣሰሩ ንክስዕቡ ይምልምል ነይሩ" ይብል መግለፂ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይኤስ ሓደ ግዘ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ግዝኣታት ተቖፃፂሩ ነይሩ እዩ

"ናይ ፀረ-ግብረ-ራዕዲ ኣኽበርቲ ሕግን ካልኦት ብፆትናን፡ ከምዚ ተኻሳሲ ዝበሉ ንኣይኤስ ዝሓገዙ፡ ተሓተትቲ ንምግባር ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ እዮም" እውን ኢሎም።

ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ኣስታት 1000 ዝኾኑ ምስ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዝጸንሑ ወፃእተኛታት፡ ብሓይልታት ምክልኻል ሶርያ ተቐይዶም ከምዝርከቡ ይግለፅ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነቶም ጥሩፋት ናብ ሃገረን ወሲደን ክፈርዳሎም ጸዊዑ ነይሩ፡ እዚ እንተደኣዘይኮይኑ ግን ካብ ሶርያ እናሃደሙ ተግባር ራዕዲ ክፍፅሙ ከምዝኽእሉ ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት'ውን፡ ዒራቕ ናብ ኣይኤስ ዝተፀምበሩ ኣርባዕተ ዜጋታት ፈረንሳይ ብሞት ክቕፅዑ ፈሪዳ እያ። ዒራቕ ነዚ ዝወሰነት፡ ፈረንሳይ ንክትወስዶም ዝቐረበላ ሕቶ ብምንፃግ፡ ብከባብያዊ ቤት-ፍርዲ ይቀፅዑ ስለዝበለት እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ