ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንእስራኤል ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ መራሒ ኮይኑ

ቤንጃሚን ኔታንያሁ (ጉንበት 2019) Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኔታንያሁ ሕዚ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ህላውኦም ከቢድ ቃልሲ ገጢምዎም ኣሎ

ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ 'ኣቦ እስራኤል' እናተብሃለ ብዝግለጽ መስራቲ እታ ሃገር ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ብምስባር፤ ንእስራኤል ንነዊሕ ግዘ ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ።

ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ብፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገረ እስራኤል ዴቪድ ቤን ጉርዮን፡ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ብምስባር ንእስራኤል ን 4876 መዓልታት ብምምራሕ፡ ነዊሕ ዘገልገለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ'ሎ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ሓምሻይ እብረ ስልጣኑ ዘረጋገጸ ኔታንያሁ፡ መንግስቲ ከጣይስ ዘኽእሎ ብዘይምንባሩ ግን፡ ሓድሽ መረፃ ከካይድ ግድን ኮይንዎ እዩ።

ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዋላ'ኳ ነዊሕ ዓመታት ንእስራኤል ዝመርሐ እንተኾነ፡ ክስታት ብልሽውና ብተደጋጋሚ ይቐርበሉ ኣሎ፤ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝቐርብ ሕቶታት እውን ይውስኽ እዩ ዘሎ።

ንሱ ግን ነቲ ዝቐረበ ክስታት፡ ከምዘይወዓሎን ኣብ ፖለቲካ ዝተደረኸ ክስታት ከምዝኾነን እዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ መረጻኡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ 1996 ዝተዓወተ ኔታንያሁ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣብ 46 ዕድምኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾነ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ መራሒ እዩ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሉኣላውነት እስራኤል ምስተግሃደት ዝተወለደ ፈላማይ መራሒ እስራኤል እውን እዩ።

መራሒ ናይቲ 'ሊኩድ' ዝበሃል የማናዊ ሰልፊ ዝኾነ ኔታንያሁ፡ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን ጽኑዕ መትከል እዩ ዘለዎ።

ኣብ 1998፡ እስራኤል ካብታ ኣብ ዌስትባንክ እትርከብ ከተማ ሄብሮን ብክፋል ዋላ'ኳ ክትስሕብ እንተገበረ፡ ኣብ መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን 'ሰላም ንምርካብ መሬት ምግዳፍ' ንዝብል ኣካይዳ ግን ይነቕፎ ጥራይ ዘይኮነስ ብትሪ እዩ ዝነጽጎ።

ብድሕሪ እዚ ግን፡ ኔታንያሁ ኣብ ትሕቲ ናቱ ምምሕዳር ነቲ ዝሰፈርዎ ቦታ ገዲፎም ዝወጹ ኣይሁዳውያን ኮነ፡ ዝምስረት ሃገረ ፍልስጤም ከምዘይህሉ ኣዊጁ እዩ።

ብዘይስሩዕ 'ቢቢ' እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኔታንያሁ፡ ዋላ እኳ ኣብ ውድቡ ዘለዎ ድጋፍ ብዙሕ እንተኾነ፡ ኣብ እስራኤል ደገፍቱን ተቓወምቱን ብዙሓት እዮም።

ከም ብልሽውን ጸረ ዴሞክራስን ዝርእይዎ ነቐፍቲ ኣለዉ።

ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ መፃኢ 17 መስከረም ኣብ ዝግበር መረፃ ከቢድ ንሕንሕ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ነበር እሁድ ባራክን፡ መራሒ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝነበረ ካልእ ተነሓናሒን ንኔታንያሁ ካብ ስልጣን ከልግስዎ መረጻ እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ።

ተወሳኺ ዛንታ