ሰራዊት ፈረንሳይ፡ ደረስቲ ብዛዕባ መፃኢ ክትንብይሉ ፀዊዑ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ፡ ንምርኢት ዝቐረበ መሳርሒ ፀረ-ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ፡ ንምርኢት ዝቐረበ መሳርሒ ፀረ-ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ

ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ፡ ናይ መፃኢ ብድሆታት ዝትንብዩ፡ ሳይንሳዊ ልበወለዳት ዝደርሱ "ጉጅለ ፀሓፍቲ" ከምዘቑም ገሊፁ።

ናይቲ ሰራዊት ሓንጸጽቲ ስልቲ ከጋጥሙ እዮም ኢሎም ዘይተፀበይዎም፡ ግና "ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ብድሆታት" እዞም በላሕቲ ሓሳባውያን ደረስቲ ክትንብዩ ከምዝኽእሉ እቲ ሰራዊት ተስፋ ገይሩ'ሎ።

እዚ ትልሚ፡ ኣካል ናይቲ ዓቕሚ ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ ብዝተፈላለዩ ምህዞታት ንምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል፡ ብሞተር ኣብ ሰማይ ዝንሳፈፍ ወታደር፤ ኣብ ትሕቲኡ ናብ ዘለዉ ፀላእቱ፡ ብረት አኣቕኒዑ ዘርእይ ምርኢት ንብዙሓት ዘስደመመ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ምርኢት፡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን "በቲ ዘበናውን መሃዛይን ሰራዊትና ኮሪዐ" ክብሉ ኣብ ትዊተሮም ናእዳኦም ገሊፆም እዮም።

እቶም "ጉጅለ ፀሓፍቲ" በዓል መን እዮም?

እዚ 'ሬድ ቲም' ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ደረስቲ፡ ኣብ ውሽጡ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ኣባላት ደረስቲ ሳይንሳዊ ልበወለድ ዝሕዝ እዩ።

እቶም ደረስቲ፡ ካብቲ ልሙድ ውፅእ ዝበለ፣ ካብ ባህላዊ ውትድርና ዝተናገፈ፣ ጥበብን ትንቢትን ኣብ ሓደ ዘጣመረ፡ ምህዞ ክሓስቡ ድማ ትፅቢት ይግበረሎም።

እቲ ጉጅለ ደረስቲ፡ ኣሸበርትን መንግስታት ካልኦት ሃገራትን ክጥቀሙሎም ንዝኽእሉ ቴክኖሎጅታትን ስልትታትን ቀዲሙ ዝእምት እውን እዩ።

ሚኒስትር ሓይልታት ምክልኻል ፈረንሳይ ፍሎረንስ ፓርሊ፡ ሃገረን ኣብ ዘፈር ውትህድርና ኣብ ዘሎ ቅድድም ምህዞ፡ ልዕልና ንምሓዝ ከምትሰርሕ ገሊፀን።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ፈረንሳይ፡ "Nerod F5 microwave jammer" ዝበሃል ንሲግናል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝዓግት ምህዞ ንምርኢት ቀሪቡ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ፈረንሳይ ኣብ ማሊ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ልኡኽ፡ 'ሮቦታት' ክሕግዝዎ ዘኽእል ፈተነ የካይድ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሳይንሳዊ ልበወለድ ተራእዮም ጋህዲ ዝኾኑ ስራሕቲ

ከምኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1865 ብጁለስ ቨርኔ ዝተፅሓፈ ነዊሕ ልበወለድ'ዘ ሙን ላንዲንግ'፡ ካብ ፍሎሪዳ ሰለስተ ሰባት ናብ ወርሒ እንክለኣኹ ዘርእይ እዩ።

ድሕሪ 104 ዓመት ድማ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ጉዕዞ ናብ ወርሒ ተኻይዱ።

ተንቃሳቃሲ ምስሊ ዘርእይ ሞባይ ብ 1927 ናብ ምርኢት ኣብ ዝቐረበ ፊልሚ ሜትሮፖሊስ፤ ዋላ'እኳ እቲ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ምስ ናይ ሎሚ ሞባይል እንትነፃፀር ዓብይ እንተኾነ፡ ንፈለማ እዋን ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝረኣየሉ 'ሞባይል' ዝተርኣየ ግና ሻቡ ነይሩ።

ቶሚክ ቦምብ፡ እንግሊዛዊ ጸሓፋይ ኤችጂ ዌልስ፡ ብ 1914 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝደረሶ ነዊሕ ልበወለድ፡ ኣቶሚክ ቦምብ ተንብዩ ነይሩ። እቲ ልበወለድ፡ ኣብቲ ግዘ ብዝነበረ ፍልጠት ኣቶሚክ ሳይንስ ተደሪኹ፡ ቦምብ እንትፍንጀር ዘዘንቱ ነይሩ።

ተወሳኺ ዛንታ