ኢራን ንናይ እንግሊዝ መርከብ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሒዛ

መርከብ Image copyright Stena Bulk

ኢራን ነታ ኣብ ወሽመጥ ዝሓዘታን ናይ እንግሊዝ ባንዴራ እተምበልብል መርከብ እንተደኣዘይሰዲዳ፡ "ከቢድ ሳዕቤን" ከምዝህልዎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ጀርሚ ሃንት ተሓንዩ።

ወነንቲ ናይታ ስቴና ኢምፔሮ እትበሃል መርከብ ከምዝበልዎ፡ እታ መርከብ ብኣንፈት ሰሜን ናብ ኢራን ገጻ እያ ትኸይድ ነይራ። እታ 23 ሰራሕተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፡ ርክባ ከምዘቋረጸት እውን እቶም ወነንቲ ተዛሪቦም።

ብኣርባዕተ መራኽብን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን እያ ተኸቢባ ኢሉ፡ ጀርሚ ሃንት።

ኢራን እታ መርከብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ከምዝጠሓሰት እያ ትገልጽ።

ካልኣይቲ ብእንግሊዛውያን-እትውነን ግን ከኣ ናይ ላይበርያ ባንዴራ እተምበልብል መርከብ'ውን፡ ኣብ ጉዕዞ እናሃለወት ዕጡቓት ሓለዋ ባሕሪ ኢራን ከምዝደየብዋን፡ ሕዚ ግን ጉዕዞኣ ክትቅጽል ከምዝኸኣለት ተገሊጹ።

ወናኒ ናይታ ካልኣይቲ መርከብ ዝኾነ 'ኖርበልክ መራኽብ' ዝበሃል ትካል ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስታ መርከብ ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ዳግማይ ከምዝጀመረ ሓቢሩ እዩ። ኩሎም ሰራሕተኛታቱ ደሓን ከምዝኾኑ'ውን ገሊጹ።

ጀርሚ ሃንት ከምዝበሎ፡ እታ 'ሜስዳር' እትበሃል ካልኣይቲ መርከብ ብ 10 ፈጣናት ጀላቡ ክትክበብ እንከላ፡ 25 ሰራሕተኛታት ጽዒና ነይራ።

ህጹጽ ጉዳያት ዝርእይ መንግስታዊ ኮሚቴ ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ዓርቢ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዝቲ ክልተሻብ ኣኼባ ገይሩ'ሎ።

ውሃቢት ቃል ናይቲ ኮሚቴ "መንግስቲ እንግሊዝ በቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባራት ኢራን ኣዐርዩ ተሻቒሉ ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፤ እቲ ተግባር ዓለም-ለኻዊ ናጽነት ጉዕዞ መራኽብ ዝግድብ እዩ ድማ ኢላ።

"ንዘይተወሰነ እዋን መራኽብ እንግሊዝ ናብቲ ከባቢ ከይኸዳ ንምዕድ" ኢላ እታ ውሃቢት ቃል።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ እንግሊዝ ጀርሚ ሃንት እቲ ተግባር "ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ" ክብል ዝገለጾ ክኸውን ከሎ፤ ብባሕሪ ጉዕዞ ናይ ምግባር ናጽነት ናብ ንቡር ክምለስ ይግባእ ኢሉ።

"እዚ ኩነታት ብቕልጡፍ ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ፡ ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ክህሉ እዩ" ድማ ኢሉ።

"ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከም ኣማራጺ ኣይረኣናዮን። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ኢና ነናዲ ዘለና፡ ግን ከኣ እቲ ጸገም ክፍታሕ ከምዘለዎ ነጺርና ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ሰራሕተኛታት ናይተን መራኽብ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክኸውን እንከለዉ፡ ዜጋታት እንግሊዝ ከምዘየለዉ እዩ ዝግለጽ።

መርከብ 'ሰቴና ኢምፔሮ' ብናይ እንግሊዝ ባንዴራ እትንቀሳቐስን ኣብ ለንደን ዝተመዝገበትን እያ።

"ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኣምባሳደርና ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ይዘራረብ ኣሎ፤ ንሕና'ውን ምስ ዓለምለኻውያን መሻርኽትና ተቐራሪብና ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ ጀርሚ ሃንት።

እዚ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ፤ ኣብ መንጎ እንግሊዝ፣ ኣመሪካን ኢራንን ዓብዪ ወጥሪ ዓሲሉ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

መራኸቢ ሓፋሽ ኢራን እታ መርከብ፡ ብሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ከምዝተትሓዘት ጸብጺቡ።