ኣብ ከተማ ወንዶ ገነት ብዝነበረ ተቓውሞ 3 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ

ጉዱማሌ ዝበሃል ከባቢ ሃዋሳ

ትማሊ ዓርቢ ኣብ ከተማ ወንዶ ገነት ተቓውሞ ተላዒሉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተኮስዎ ጥይት ህይወት ሰለስተ መናእሰይ ከምዝሓለፈ፡ ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ከንቲባ ከተማ ወንዶ ገነት፡ ኣለሙ ጉበሌ፡ እቲ ተቓውሞ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝተወለዐ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ናይቶም ሰልፈኛታት እናወሰኸ ምስከደን 'ዘየድሊ መልክዕ' ክሕዝ ምስጀመረን ሓይልታት ምክልኻል ኣትዮም ኢሉ።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ወንዶ፡ ኣይተ ዳዊት ሌዳሞ ብወገኑ፡ ጠንቂ ናይቲ ጎንጺ፡ ኣብ ከባቢ ሃዋሳን ካልኦትን ዝተልዓሉ ተቓውሞታት ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብታ ከተማ ዝተቓጸለ ንብረት ኮነ ዝዓነወ ሃብቲ ከምዘየለ ዝተዛረበ ኣይተ ዳዊት፡ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዘጋጠመ ጎንጺ 10 ሰባት ተሃስዮም ሕክምና ይረኽቡ ምህላዎም ተዛሪቡ።

እቶም ዝተሃሰዩ መናእሰይ ኣብ ሆስፒታል ሪፈራል ሃዋሳን 'ኣዳሬን' ሕክምና ይረክቡ ምህላዎም ድማ እቲ ከንቲባ ገሊጹ።

ከተማ ወንዶ ገነት ብንግዲ ከምትፍለጥ ወሲኹ ዝገለፀ እቲ ከንቲባ፡ ሰላም እታ ከተማ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፡ ምስ ሽማግለታት ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ትማሊ ተቓውሞ ካብ ዝነበረለን ወረዳታት ዞባ ሲዳማ ሓንቲ ናይ ዝኾነት ከተማ ሃገረ ሰላም ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት በዓልመዚ እቶት ኣይተ ሞገስ መኮነን ብወገኑ፡ ኣብታ ከተማ ብዝነበረ ተቓውሞ፡ ዝቖሰሉ ሰባት ከምዘለዉ ኣረጋጊፁ።

ብዝሒ እቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ዕላዊ ንምግባር ግና፡ መረዳእታ ከምዘይብሉ ገሊፁ።

ትማሊ ምሸት ሰዓት 3፡00 ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (ሰዓት 9)፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ከተማ ከምዝኣተወ እውን እቲ ሓላፊ ኣረጋጊፁ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዝተዓፀዉ ትካላት ንግዲ ንምኽፋት ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምዃን ይስራሕ ከምዘሎን፡ ሰላም እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ሽማግለታት ዓዲ ይዛተዩ ከምዘለዉን ድማ ገሊጹ።

ምስ ሕቶ ክልል ምዃን ዞባ ሲዳማ ተዛሚዱ፡ ካብ 11 ሓምለ 2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ንነዘ፡ ኣብ ከተማታት ሃዋሳ፣ ኣለታ ወንዶ፣ ይርጋለም፣ ለኩናን ካልኦትን ጎንፅታት ኣጋጢሞም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብዞም ዘጋጠሙ ጎንፅታት ዋላ እኳ ዝሞቱ ሰባት እንተሃለዉ፡ ቁጽሪ ግዳያት ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ግን ኣይሰመረን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት