ናብ ካይሮ ዝቐንዐ በረራታት መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ተሰሪዙ

ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው Image copyright @Ael_sheikh

መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ግብጺ፡ ካይሮ ዝቐንዐ በረራታት ብሰንኪ ምስ ጸጥታ ዝተኣሳሰር "መጠንቀቕታ" ንግዚኡ ደው ከም ዘበሎ ተገሊጹ።

ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው ለንደን ክብገሱ ዝቀራረቡ ዝነበሩ ገያሾ፡ ሃንደበት እቲ በረራ ከም ዝተሰረዘን ንሓደ ሰሙን መተካእታ ከም ዘይህልውን ተሓቢሮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ንጠንቂ እቲ ምስራዝ በረራታት ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይሃበን።

መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ዛጊት ብዛዕባ ምስራዝ በረራታት ዝኾነ ሓበሬታ ካብ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ከም ዘይተዋህቦ ወሃቢ ቃል እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ብቐጻሊ ንኩነታት ጸጥታ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው መዓርፎ ነፈርቲ ንፍትሽ ኢና፤ ናይ ካይሮ በረራታትና ድማ ተወሳኺ ገመጋም ንምግባር ከም መጠንቀቕታ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ደው ኣቢልናዮ ኣሎና" ኢሉ።

"ድሕነት ናይ ዓማዊልናን ሰራሕተኛታትናን ቅድሚት እንሰርዖ ጉዳይ እዩ፤ እዚ ውሑስ ምስ ዘይከውን ድማ፡ ነፈርትና ኣይነንቀሳቕስን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ (ጀርመን) 'ውን ብቐዳም ናይ ካይሮ በረርኡ ሰሪዙ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ በረራ ሰነበት ክቕጽል ምዃኑ ወሃቢ ቃል እቲ መንገዲ ኣየር ሓቢሩ።

ሓንቲ ካብቶም ንካይሮ ተበጊሳ ዝነበረት ጓል 70 ዓመት ክርስቲነ ሸልቦርን ምስ ወዲ 11 ዓመት ወዲ ወዳ፡ ሰዓት 3 ድ.ቀ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምርካብ 'ቸክ ኢን' እኳ እንተገበረት፡ እቲ ዝተውሃባ ናይ መስቀሊ ካርድ (ቦርዲን ፓስ) ግነ ነቲ መዕጸዊ ክኸፍተላ ከም ዘይከኣለ ተዛሪባ።

Image copyright Christine Shelbourne
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ በረራ ከም ዝተሰረዘ ቅድሚ እቶም ሰራሕተኛታት፡ በዓልቤታ ከም ዝፈለጠ ሸልቦርን ሓቢራ

ንሳ ወሲኻ፡ ነቲ መስቀሊ ካርድ ኣቐዪራ እንተፈተነት'ውን ከም ዘይሰለጣ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ደጊሞም ክፍትኑ ከም ዝተሓበሮም ተዛሪባ።

"ወዲ 11 ዓመት ወዲ ወደይ፡ ብጣዕሚ'ዩ ጉሕዩ፤ ነዚ መገሻ ንኣዋርሕ እዩ ተጸቢዩ። ሕጂ ድማ ክንከይድ ኣይከኣልናን" ኢላ።

እቲ መንገዲ ኣየር "ን24 ሰዓታት" ናይ 5 ፓውንድ [6.25 ዶላር] ናይ መግቢ ትኬት ከም ዝሃቦም፡ ዳን ዝተብሃለ ሓደ ተጉዓዛይ ሓቢሩ።

እቲ በረራ ብምስራዙ፡ ከባቢ 1500 ዶላር ካብ ጅባኡ ከውጽእ ከም ዝግደድ፡ ሚካኤል ካሊል ዝተብሃለ ካልእ ገያሻይ ሓቢሩ።