ኢራን "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ" ንዝሓዘታ መርከብ ክትለቃ እንግሊዝ ኣተሓሳሲባ

ኣብ ጂብራልታር ዝተትሓዘት ናይ ኢራን መርከብ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጂብራልታር ዝተትሓዘት ናይ ኢራን መርከብ ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ሶርያ ተብጽሕ ከም ዝነበረት ይግመት

ኢራን "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ" ዝሓዘታ መርከብ ብቕልጡፍ ክትለቃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ኪንግደም ጀረሚ ሃንት ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ተግባር፡ ኣብ መጻብቦ ሀርሙዝ ንዝግበር ናይ መራኸብበ ጉዕዞ ናይ ውሕስነት ሕቶ ከም ዘልኣዕል'ውን ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር፡ ኢራን ንኣተሓሕዛ እታ መርከብ ዘርእይ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሓ እዩ ነዚ መግለጺ ዝሃበ።

ኢራን ብወገና፡ እታ መርከብ "ንኣህጉራዊ ሕጋጋት ጉዕዞ ባሕሪ" ከም ዝጠሓሰት'ያ ትገልጽ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ኢራናዊ መዘንኡ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ተለፎን ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢራን ነዚ ዝገበረት ግብረመልሲ ናይታ ኣብ ጂብራልታር ዝተትሓዘታ መርከብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘሎ ኩነታት ናብ ኲናት ከየምርሕ ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ስቴና ኢምፔሮ ዝተብሃለት ናይ እንግሊዝ ባንዴራ እተንበልብል መርከብ፡ ብሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብዓርቢ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ እያ ተታሒዛ።

እታ መርከብ ክትተሓዝ ከላ ንዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብቐዳም ብኣገልግሎት ዜና ፋርስ (ኢራን) ተዘርጊሑ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ እታ መርከብ ብፈጣናት ጀላቡ ድሕሪ ምኽባባ፡ ገጾም ብማስኬራ ዝተሸፈነ ሓይልታት ካብ ሄሊኮፕተር ብገመድ ገይሮም ናብታ መርከብ ክወርዱ የርእይ።

ሓይሊ ባሕሪ ዩናይትድ ኪንግደም ብዛዕባ እቲ ኩነት ካብታ መርከብ ሓበሬታ ምስ በጽሖ፡ ንምድሓን፡ ተንቀሳቒሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቀረባ ብዘይምንባሩ ኣብ እዋኑ ከርክብ ኣይከኣለን።

እታ መርከብ ምስ ሓንቲ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ጃልባ ተጋጭያ ክትሃድም ድሕሪ ምፍታና ከም ዝተታሕዘት ኣገልግሎት ዜና ኢራን ይገልጽ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ብኣገልግሎት ዜና ፋርስ ዝተዘርግሐ መርከብ ስቴና ኢምፔሮ ክትተሓዝ ከላ ዘርእይ ቪድዮ

ሽወደናውያን ወነንቲ ሰቴና ኢምፔሮ ብወገኖም እታ መርከብ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ብምልኣት ተኽብር ምንባራን ኣብቲ ዝተትሓዘትሉ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ከም ዝነበረትን ገሊጾም።

ካልእ ብእንግሊዛውያን-እትውነን ግን ከኣ ናይ ላይበርያ ባንዴራ እተምበልብል መርከብ'ውን፡ ኣብ ጉዕዞ እናሃለወት ዕጡቓት ሓለዋ ባሕሪ ኢራን ከምዝደየብዋን፡ ድሒራ ግን ጉዕዞኣ ክትቅጽል ከምዝኸኣለትን ተገሊጹ።

ወናኒ ናይታ ካልኣይቲ መርከብ ዝኾነ 'ኖርበልክ መራኽብ' ዝበሃል ትካል ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስታ መርከብ ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ዳግማይ ከምዝጀመረ ሓቢሩ እዩ። ኩሎም ሰራሕተኛታቱ ደሓን ከምዝኾኑ'ውን ገሊጹ።

ጀርሚ ሃንት ከምዝበሎ፡ እታ 'ሜስዳር' እትበሃል ካልኣይቲ መርከብ ብ 10 ፈጣናት ጀላቡ ክትክበብ እንከላ፡ 25 ሰራሕተኛታት ጽዒና ነይራ።

ህጹጽ ጉዳያት ዝርእይ መንግስታዊ ኮሚቴ ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ዓርቢ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዝቲ ክልተሳዕ ኣኼባ ገይሩ'ሎ።

ወሃቢት ቃል ናይቲ ኮሚቴ "መንግስቲ እንግሊዝ በቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባራት ኢራን ኣዐርዩ ተሻቒሉ ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፤ እቲ ተግባር ዓለም-ለኻዊ ናጽነት ጉዕዞ መራኽብ ዝግድብ እዩ ድማ ኢላ።

ወሲኻ'ውን "ንዘይተወሰነ እዋን መራኽብ እንግሊዝ ናብቲ ከባቢ ከይኸዳ ንምዕድ" ኢላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ጃቫድ ዛሪፍ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እንግሊዝ ኣፈጻሚት ተግባራት ቁጠባዊ ሽበራ ናይ ኣሜሪካ ካብ ምዃን ክትቁጠብ ይግባእ ኢሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ገዚፍ ማዕቀብ ድሕሪ ምንባሩ፡ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ፡ ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ ኣሎ። እቲ ኩነታት ድማ ናብ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።