ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣሽሓት ኣልጀርያውያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሶም ገሊጾም

ድባብ ዓወት ኣልጀርያውያን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ዋንጫ ንዘምጽኡ ተጻወትትን ኣባላትን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣልጀርያውያን፡ ነታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዓቲራ፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ኣልጀርያ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ንሰኔጋል 1 ብ 0 ብምስዓር'ያ ነታ ዋንጫ ወሲዳ።

ንእንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ሪያድ ማህሬዝ ዝርከባ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ብቀዳማይ ሚንስትር ኑረዲን በዶይ'ውን ኣቀባብላ ተገይሩላ'ዩ።

ንተጻወትቲን ኣባላትን ዝሓዘት ኣውቶብስ ብስእሊ ክልተ ከዋኽብቲ ዝወቀበት ኮይና፡ እዚ ከኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክልተ ግዜ ንዝወሰደተን ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዘርእይ ተገሊጹ።

"እቲ ዓወት ኣብታ ሃገር ሓድሽ ህይወት ዝዘርእ እዩ" ክብል ናይታ ሃገር ፕረዚደንት ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ከይረዲን ዘቺ ተዛሪቡ።

ገለ ካብ ስእልታት'ቲ ኣቀባብላ

Image copyright Riyad Mahrez Instagram
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢስላም ስሊማኒ፣ ረይስ ቦልሂን ሪያስ ማህሬዝን ነታ ዋንጫ ሒዞም
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝጀመረ ኣቀባብላ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብ ከተማ ኣልጀርስ
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ኣቀባብላ ናብ ጎደናታት ካብ ዝወጽኡ ኣልጀርያውያን ብተወሳኺ ኣብ ህንጻታት ኮይኖም ሓጎሶም ዝገልጹ'ውን ነይሮም
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኽልተ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣልጀርያ [ዓረብኛን ኣማዝይን] ኣብታ ኣውቶብስ ዝተጽሓፈ መልእኽቲ 'ተሓቢንናልኩም' ዝብል ትርጉም ነይርዎም
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብ ታሪኻ ንኻልኣይ ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ
Image copyright Reuters
Image copyright Getty Images