ኢትዮጵያ፡ መዕርፎ ነፍርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ ቁጽሪ ዓማዊል ኣእንጊዱ

ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ Image copyright MICHAEL TEWELDE
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ

መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 10 ሓምለ 2011 [ኣ.ኢ] ከባቢ 29 ሽሕን 520 ተገዓዝቲ ብምትእንጋድ ኣብ ታሪኹ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ኣእንጊድዎ ዘይፈልጥ ቁጽሪ ኣመዝጊቡ።

በቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝሓልፉ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ቁጽሮም ክውስኽ ዝኸኣለ፡ ምስ ናይ ጸዓዱ እዋን ሓጋይ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ከም ዝኾነ ሓደ ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ዋዒ ዝሕይለሉ እዋን ብዙሓት ምዕራባውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ከካይዱ ይመርጹ።

ዝና መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቁጽሪ ነፈርቱ እናወሰኸ ምምጽኡን ካልእ ምኽንያት ምውሳኽ ቁጽሪ ዓማዊል ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ሰራሕተኛ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጥራይ 310 በረራታት ከም ዘተኣናገደ ሓቢሩ።

ካብዚኦም እቶም 21 ሽሕን 28 ተጓዓዝቲ መበገሲኦም ቦሌ ክኸውን ከሎ፡ ዝተረፉ 8 ሽሕን 500 ድማ መብጽሒኦም (መዕረፊኦም) ቦሌ ዝገበሩ እዮም።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ታሪኹ ክሳብ ክንድዚ ቁጽሪ ኣእንጊዱ ከም ዘይፈልጥ'ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ይሳለጥ ዘሎ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 22 ሚልዮን ዓማዊል ንምትእንጋድ ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ይግለጽ።

ከም ጸብጻብ 'ኢንተርሽናል ኤርፖርትስ ካውንስል እንተኾይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ-ሀርትስፊልድ-ጃክሰን ብዓመት 107 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ብምትእንጋድ ኣብ ዓለምና ቅድሚት ይስራዕ።

መዕርፎ ነፈርቲ ቻይና-ቤይጂን ድማ 100 ሚልዮን ዓማዊል ብምትእንጋድ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ይርከብ።