ፖሊስ ከተማ ካይሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ሰልፈኛታት ኣሲሩ

ሰልፈኛታት ኣብ ካይሮ ፊት ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት Image copyright samsom tekie/facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ኣብ ካይሮ ፊት ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት

ብሰንበት ንጉሆ፡ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ካይሮ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ኣባላት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሶምን፡ ብዙሓት ካብኦም ከም ዝተኣሰሩን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብ ሰዓት 7 ንጉሆ ጀሚሮም ኣብቲ ስፍራ ዝተረኽቡ እቶም ከባቢ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት "ሕቡራት ሃገራት ኣበይ ኣሎ?" ኢሎም እናጨደሩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

እንተኾነ ግን ፖሊስ ነዊሕ ከይጸንሑ ከም ዝበተኖም ይገልጹ።

ኣርባዕተ ወከልቲ ናይቶም ሰልፈኛታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤትጽሕፈት እናተዘራረቡ፡ ፖሊስ ኣንጻር እቶም ሰልፈኛታት ስጉምቲ ከም ዝወሰደን፤ "ሸዑ እቶም ኣባላት ዩኤንኤቸሲኣር ኪዱ ኣይንሰምዓኩምን ኢና ድላይኩም ግበሩ" ከም ዝበልዎም ሓደ ካብቶም ወከልቲ እቶም ሰልፈኛታት ዝኾነ ደንደን እስማዒል ገሊጹ።

ምላሽ ንምርካብ ናብ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ካይሮ ዝገበርናዮ ፈተነ ግና ክሰልጠና ኣይከኣለን።

ብቴለፎን ዘዘራረብናዮ ደንደን፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና ምስ ብዙሓት ሰልፈኛታት ተኣሲሩ ምህላውን ናበይ ይወስድዎም ምህላዎም ከም ዘይፈልጥን ገሊጹልና።

ንሱ ወሲኹ ኣብ ካልኦት መካይን'ውን ዝተኣሰሩ ከም ዘለው ሓቢሩ።

ኣሚነ ክፍየሱስ ዝተበሃለ ካልእ ኤርትራዊ'ውን "ከባቢ 40 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ መኪና ጸቓቒጦምና'ለዉ። ናብ ዝወስዱና'ውን ኣይንፈልጥን" ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ ብምልኦም እቶም ሰልፈኛታት ተበታቲኖም ከም ዘለውን ፖሊስ ይሓድኖም ከም ዘሎን ገሊጹ። ካልእ ክንረኽቦ ዝፈተንና ሰልፈኛ ብኣባላት ጸጥታ ይህደኑ ብምህላዎም ኣብ ምቹእ ቦታ ከም ዘየሎ ሓቢሩና።

ምኽንያት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ብፍላይ ጉዳይ ድሕነት፡ ጉዳይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስግጋር፡ ጉዳይ ዑቕባ ምርካብ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናከፍአ ከም ዝመጸ ምዃኑ ደንደን ይገልጽ።

ንሱ ነቲ መስርሕ ምስቶም ካብ ሶርያውያን፡ ዒራቕ፡ ሶማልን የመንን ዝመጹ ስደተኛታት ብምንጽጻር ናይቶም ኤርትራውያን ኣዝዩ ዝነውሐ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ብዘይካ'ዚ ካልእ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ዘገደዶም ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ እዩ ዝብል ደንደን፡ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ፡ ንኤርትራውነቶም መረጋገጺ ሰነድ ስለ ዘይብሎም ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ፡ ንኽልተ ሰለስተ ዓመት ጉዳዮም ከም ዝምጠጥ ይሕበር። እዚ ድማ "ናብ ግዳም ሓደርነት፡ ዘየድሊ ወልፍታትን ኣብ'ተን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ዘየድሊ ጥንሲ" ከም ዝቃልዑ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚኦምን ካልእን ጸቕጥታት ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስጉምትታት ክወስዱ ዝግደዱ ዘለው፡ ብዙሓት ምዃኖም ዝገልጽ ደንደን፡ ናብ ሱዳን ዝምለሱን ሰሃራ ቆሪጾም ናብ ሊብያ ክኸዱ ዝተገደዱ'ውን ከም ዘለው ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ከተማ ካይሮ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ [ካብ ኣባላት ጸጥታ ግብጺ] ከም ዝተተኮሶም ዝገልፍ ኣሚነ፡ እቲ ሰብ ምስተበታተነ ክሳብ ናብ ሳህራ በረኻ ዝሃደሙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

"እቲ ሰብ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ንተኣከብ ኢሉ ንጉሆ ካብ ሰዓት 7፡00 ጀሚሩ ክራኸብ ጀሚሩ። 'ኤርትራውያን መሰልና ተጋሂሱ'ሎ፤ ይተሓለወልና' ምስበልና፡ መጺኦም ክብትኑና ፈቲኖም ንሕና ድማ መሊስና ንተኣኻኸብ" ዝበለ ኣሚን ፖሊስ ንሰልፈኛታት ክሃርም ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን [ብስልኪ ከዘራርበና ከሎ ሎሚ ሰንበት 21 ሓምለ ከባቢ ሰዓት 2፡00] ናብ ዝተፈላለየ ቦታ እናወሰዱና ኣብ ውሽጢ ዝተዓሸገት መኪና ክልተ ሰዓት ጌርና ኣሎና። ኩሉ ሰብ ዓቕሉ ጸቢብዎ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ኣብ ዘዘራረብናዮም እዋን እቶም ስደተኛታት ሓሩር በርቲዕዎም ንፋስ ደልዮም ዓው ዓው ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።

ተወሳኺ ዛንታ