ጉጅለ ግብረሰናይ ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ፡ ናይ ህይወት ኣድሕን ንጥፈታታተቱ ቀጺሉ

ስደተኛታት ብኣኳርየስ ረድኤት እናተገብረሎም ሰነ 9 2018 Image copyright KARPOV/SOS MEDITERRANEE
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝበዝሕ እዋን እቲ ጉዕዞ ግቡእ ጽገና ብዘይተገበረለንን ጀላቡ ኮይኑ፡ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስለዝጸዓና ብብዝሒ ሓደጋታት የጋጥም እዩ።

ኣብ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ህይወት ኣብ ምድሓን ዝነጥፍ ጉጅለ ግብረሰናይ 'ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ'፡ ንጥፈታቱ ብሓዳስ መርከብ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ቀጺሉ።

እታ ኦሽን ቪኪን ዝተሰመየት ሓዳስ መርከብ ናይ ኖርወይ ባንዴራ ተንበልብል ኮይና፤ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ ዝጥቀመላ ዝነበረ መርከብ ብመንግስታት ኤውሮጳ ደው ክትብል ተገዲዳ እያ።

ካብቶም 31 ሰራሕተኛታት እታ መርከብ፡ ትሽዓተ ኣባላት ሓካይም 'ብዘይዶብ' ኮይኖም ሰብ ሞያ ጥዕና እዮም።

እቲ ኣኳርየስ ብዝተብሃለት መርከብ ኣቢሉ ንጥፈታቱ ዘሰላስል ዝነበረ ጉጅለ፡ ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ፡ እታ መርከብ ናብ ወደባት ጥልያን ከይትጽጋዕ ድሕሪ ምኽልካሉ እዩ ንጥፈታቱ ደው ኣቢሉ ጸኒሑ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤወሮጳ ንምእታው ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ይፍትኑ። ዝበዝሕ እዋን እቲ ጉዕዞ ግቡእ ጽገና ብዘይተገበረለንን ጀላቡ ኮይኑ፡ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስለዝጸዓና ብዙሓት በቲ ዘጋጥም ሓደጋታት ሞይቶም እዮም።

ካብ መፋርቕ 2017 ግና፡ ጥልያንን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ከም እትሕዞም ብምግባሮም፡ ቁጽሪ እቶም ተጓዓዝቲ ኣዝዩ ጎዲሉ ኣሎ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና እዚ ፖሊሲ ግጉይ ምዃኑ ብምግላጽ ይኹንንዎ።

ካልእ ኣብ ግብረሰናይ ዝነጥፍ ጉጅለ ኣብቲ ከባቢ ብዘይ መህላው ክኣትው ከም ዝተገደዱ፡ ተሓጋጋዚ መስራቲት ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ፡ ሶፊ ባው ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ንኤስኦኤስ ሜዲተራኒ ኣብ 2015 ኢና መስሪትናዮ፤ ካብ ሽዑ ጀሚርና 30 ሽሕ ሰባት ኣድሒንና ኣሎና፤ ካብዚኦም ዝበዝሑ ድማ ብኻልኦት መራኽብ ድሒኖም እዮም።

"እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን ሓጓፍ ኣሎ። ስለዚ ንሕና ከም ሲቪላውያን ነቲ ሃገራት ክገብርኦ ዘይከኣላ ንምሽፋን ኢና ንፍትን። ዘዕግብ እኳ እንተዘይኮነ፡ ነዚ ክንገብሮ ኣሎና" ኢላ።

ኣብ 2018 ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ሽዱሽተ ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ክብሉ ከም ዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ጥሪ ዘውጽኦ ጸብጻብ የርእይ።

ዛጊት ኣብዚ ዓመት፡ 426 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት ይሕብር።

ተወሳኺ ዛንታ