ኢትዮጵያ ንሱዳናዊ መራሒ ተቓዋሚ ሒዛ ከተረክቦ ፈቲና

መራሒ ምንቅስቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን፡ ጂብሪል ኢብራሂም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ምንቅስቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን፡ ጂብሪል ኢብራሂም ምስ ካልኦት መሓዝቱ ንመንግስቲ ሱዳን ተሓላሊፎም ክወሃብ ተሓሲቡ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሱዳን ይካይድ ኣብ ዘሎ ልዝብ ዝሳተፍ ዘሎ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ክህቡዎ ከምዝፈተኑ ተገሊጹ።

እቲ ክስተት ንምጽራይ ቢቢሲ ሕቶ ዝቕረበሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ።

እዚ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳንን ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ነቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከብቅዕ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ እዩ።

ቅድም ክብል እቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምሰ ሓይልታት ተቓውሞ ስልጣን ንምምርቓሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ትማሊ ሰንበት ሰብ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብሕቡእ ነዚ መራሒ ተቓዋሚ 'ምንቅስቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን' ካብ ካልኦት መሓዝቱ ነጺሎም ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝወሰዱዎ ካሊእ ኣብቲ ልዝብ ዝሳተፍ ዘሎ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ንቢቢሲ አረጋጊጹ።

ኣብቲ ልዝብ ኣሸመገልቲ ኾይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ተግባር ጣልቃ ኣትዮም ጠጠው ከብሉዎ ክኢሎም-ድማ ይብል እቲ ምንጭና።

እዚ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣሕሊፍካ ምሃብ ክውን እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከስዕብ ከምዝነበረ ድማ ይእመን።

ካብቲ ዝሓለፈ ስምምዕ ተገሊሉ ዝነበረ ቀንዲ ተቓዋሚ ወድብ ሱዳን ዝኾነ ወያናይ (ሰውራ) ግንባር ሱዳን፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ አበባ ልዝብ ይሳተፍ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት