ብምዝውዋር ሓሽሽ ዝተጠርጠረት ኢትዮጵያዊት ንመጀመርታ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪባ

ናዝራዊት ኣበራ Image copyright Facebook

ዕጸ-ፋርስ (ሓሽሽ) ብምዝውዋር ተጠርጢራ ኣብ ቻይና - ጉዋንዡ ተኣሲራ እትርከብ ናዝራዊት ኣበራ ድሕሪ ኣዋርሕ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ።

ካብ እትእሰር ንመጀመርታ ግዜ ቤት ፍርዲ ምቕራባ ዝተዛረበት ሓፍታ ቤተልሄም ኣበራ፡ ቤተሰባ ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ሓቢራ።

ናዝራዊት ኣብ ቻይና ካብ እትቕየድ ሽድሽተ ወርሒ ሓሊፍዋ'ሎ።

ቻይና ንገበን ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ፍርዲ ሞት ዝብይን ሕጊ ስለዘለዋ፡ ስድራን ኣዝማድን ናዝራዊት ድማ በዚ ኣብ ስግኣት ተሸሚሞም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝርከቦም፡ ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ፍሉጣት ሰባትን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብ ቻይና ቤት ማእሰርቲ ጉዋንዡ ተኣሲራ ዘላ ናዝራዊት፡ ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበት፡ ነቲ 5.2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ብመልክዕ ሻምፖ ዝተዳለወ 'ኮኬይን' መን ከም ዝሃባን ብኸመይ ክትሕዞ ከም ዝኸኣለትን ንዳያኑ ኣረዲኣ።

መንግስቲ ቻይና ዘቖመላ ጠበቓ ድማ፡ ናዝራዊት ካብ ዓዳ ወጺኣ ከም ዘይትፈልጥ ዘረድእ ሰነድ ጉዕዞ፤ ካብ ገበን ነጻ ምዃና፤ መረዳእታ ትምህርትን ስራሕን ከም ዘቕረበ ሓፍታ ቤተልሄም ኣበራ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣድላዪ ሰነዳት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተልኣኸ ዝገለጸት ቤተልሄም "ሕጊ ቻይና ክብድ ዝበለ ከይኮነ ኣይተርፍን፤ ከም ዝሓሰብናዮ [እቲ ጉዳይ] ይኸይድ የለን። ግን ከኣ ተስፋ ኣይንቐብጽን" ኢላ።

ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ፡ ናዝራዊት ነቲ ተግባር እናፈለጠት ከም ዝፈጸመቶ ብምግላጽ፡ 'ዝተመሃረት ብምዃና ከኣ ብጌጋ ክትቕበል [ነቲ ዕጸ-ፋርስ] ኣይምተገበአን' ክብል ክሲ ኣቕሪቡ።

"ተመሊሳ ናብ ቤት ፍርዲ ትቐርበሉ ንጹር መዓልቲ ዝፍለጥ ኣይኮነን" ዝበለት ሓፍታ፡ ብመሰረት ሕጊ ቻይና ግን፡ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ካብ 20 ክሳብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ መወዳእታ ብይን ከም ዝወሃብ ሓበሬታ ከም ዘለዋ ገሊጻ።

Image copyright FREE NAZRAWIT/FACEBOOK

በዚ መሰረት ስድራ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናዝራዊት ዝወሃብ ናይ መወዳእታ ብይን ብተስፋ ይጽበዩ ምህላዎም ተዛሪባ።

ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ንናዝራዊት ብኣካል ክረኽብዋ'ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ግን ክልተ ግዜ ደብዳበ ጽሒፋትሎም'ያ።

"ኣብቲ መጀመርታታት ናይቲ ጉዳይ ክብደት ኣይተገንዘበትን ኔይራ። ክመጽእ እየ ትብለና ነይራ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ክንድምንታይ ረዚን ከም ዝኾነ ስለዝተገንዘበት ኣብ ጭንቂ ትርከብ" ክትብል ሓቢራ።

ኣብቲ ደብዳቤ "ትኽክለኛ ንዘይኮነ ሰብ ብምእማነይ ንነብሰይን ስድራይን ብዙሕ መስዋእቲ ኣኽፊለ። ምስ ወጻእኩ ክኽሕሰኩም'የ" ዝብል መልእኽቲ ከም ዝጸሓፈት'ውን ወሲኻ ገሊጻ።

በቢወርሑ ቁሩብ ገንዘብ ካብ ቤተሰብ ከም ዝለኣኸላ ዘዘኻኸረት ቤተልሄም፡ ኣብ ቻይና ዝርከብ ኤምባሲ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ከኣ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ከም ዝበጽሕዋ ኣረዲኣ።