ስደት፡ ኣሜሪካ ስደተኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከየቕረበት ናብ ሃገሮም ክትሰጉግ ምዃና ተገሊጹ

ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ንስደተኛታት ዝድግፍ ሰልፊ Image copyright Reuters

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ስደተኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐረቡ ብቅልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝገብር ሓድሽ ኣሰራርሓ ግብራዊ ከም ዝገብር ተገሊጹ።

ብመሰረት'ቲ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ መረዳእታ ዘይበሉ ስደተኛን ንተኸታተልቲ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ምጽንሑ መረዳእታ ከቕርብ ዘይከኣለ ውልቀሰብን ናብ ሃገሩ ክምለስ ይግበር።

እቲ ፖሊሲ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ግብራዊ ከም ዝኸውን ተገሊጹ'ሎ።

'ኣሜሪካን ሲቪል ሊበርቲስ ዩንየን' ዝተበሃለ ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት፡ ነቲ ፖሊስ ብምቅዋም ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝወስዶ ኣፍሊጡ።

ፖሊሲ ስደተኛታት ኣሜሪካ እናጠበቐ ይመጽእ ምህላዉ ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ይዛረቡ።

ግዚያዊ ጸሓፊ ጉዳያት ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኬቪን ማክኣሊናን፡ እቲ ለውጢ ኣብ ዶብ ንዘሎ "ጸቕጥን ጉዳያት ዓቕምን ዘቃልል'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዘሎ ቅልውላው ፍታሕ ዘምጽእ ከም ዝኸውን'ውን ተዛሪቡ።

ተንተንቲ ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኖም፡ እቲ ፖሊሲ፡ ትራምፕ ኣብ 2020 ኣብ ዝካየድ መረጻ ንስደተኛታት ምቁጽጻር ከም ቀንዲ ዕማም ምሓዙ ዘርእይ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ለውጢ እንታይ'ዩ?

ቅድሚ ሕጂ ስደተኛታት ካብ ዶብ ኣሜሪካ ከባቢ 160 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐተ ክርከቡ ከለዉን ናብ ኣሜሪካ ካብ ዝኣትዉ ትሕቲ ክልተ ሰሙን ምዃኑ እንተተረጋጊጹን ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግበር ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር ዝርከቡ ወይ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝጸንሑ ድማ፡ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ተመሪሑ፡ ሕጋዊ ውክልና ናይ ምርካብ መሰሎም ተሓልዩ ክጸንሑ ይግበር።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ግን ዝኾነ ይኹን ስደተኛ፡ ኣብ ዝኾነ ግዝኣት ኣሜሪካ ተረኺቡ እንተተቐይዱ፡ ብዘይውክልና ጠበቓ ናብ ሃገሩ ክምለስ ይገብር።

ዕቑባ ዝንምሕታት ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎም ከኣ፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል በዓልሞያ ናይ ምዝራብ መሰል ኣለዎም።