ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እቲ ክሲ "ሓሶት" እዩ ኢሎም

ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ Image copyright TEWAHDO.ORG/SCREENSHOT
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መዝነቶምን ዝተኣለዩን፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ "ሓሶት" እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ዝተዘርግሐ ናይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምዃኑ ዝገልጽ ድምጺ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተቀረጸ ምዃኑ ይሕብር።

ኣበቲ መልእኽቲ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሽዱሽተ ነጥብታት ዘለዎ ክሲ ከም ዝቐረበሎም ብምግላጽ፡ "ካብ ፓትርያርክ ወሪድካ ተራ ፈላሲ ኮንካ ክትነብር" ዝብል ጠለብ ከም ዝነበሮ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን "ወይ ፈላሲ ወይ ካህን ወይ ምእመን ወይ ሊቅ፡ ከምዚ ጌርካ [በዲልካ] ዝብለኒ ኣይረኸብኩን፤ ሓሶት ከም ምዃኑ ተገሊጹለይ" ኢሎም።

"ተቐዳዲምካ ክስቶ መናፍቕ ኮይኑ፡ ወዲ ክስቶ መናፍቕ ኮይኑ" ምባል ካብቲ ሃይማኖት ምስጓግ እዩ ዝበሉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፤ ንዝተጋገየ ቤተክርስትያን ብሊቃውንታ ኣቢላ ብግቡእ ክትኣልዮ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

"ዝኣሰረኒ ሲነዶስ፡ ሕጊ ቤተክርስትያን ኣፍሪሱ፡ ውግዘት ሓሊፉ ስለዝብል ነዚ ከይዛረብ፡ ነዚኣ ከይነግር እዩ ሓቢኡኒ ነይሩ መንግስቲ። ሓንቲ ገበን የብለይን፤ ንመንግስተይ ኣይበደልኩ ንህዝበይ ኣይበደልኩ ንሕጊ ቤተክርስትያነይ ኣይበደልኩ፤ ሕጂ'ውን ሕጊ ቤተክርስትያን፡ ከምታ ዝብላ ንኣኣ ከየቋረጽኩ፡ ናብ መሬት ዝጸውዓኒ እታ ሞት ሃበኒ እየ ዝብሎ ንኣምላኽ እምበር ክጥዕመኒ ከሕሸኒ ኢለ ዝዛረቦ ነገራት የብለይን።

"እቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያንና ብዘይ ሕጊ እዩ ዘሎ፤ ንኣይ ከሲሶም ረቲዖም ገበነኛ ክገብሩኒ ግቡኦም'ዩ። ኣውሪድናካ ክብሉ ግና ኣይስልጣኖምን እዩ። ኣነ ኣብ ልዕሊኦም እየ እምበር ኣብ ትሕቲኦም ኣይኮንኩን ብማዕርግ። ኣነ ሸምክዎም እምበር ንሳቶም ኣይሸሙንን።

ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ብ 17 ሓምለ 2019 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምፍላጡ።

እንተኾነ ግን፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እቲ ሲኖዶስ ተኣዚዙ ነቲ ውሳነ ከም ዝወሰዶ ብምግላጽ፤ "ነዚ ትእዛዝ እዚ ግን ተቐባልነት ክገብሩሉ ኣይምተገብአን፡ ከምዚ ናተይ ክእሰሩ ምተገብኦም" ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ ነጻነት እምነት ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ 90 ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ን12 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዘለው ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ክፈትሖም ንጽውዕ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት