ቦሪስ ጆንሰን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ክኸውን ተመሪጹ

ቦሪስ ጆንሰን Image copyright Reuters

ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ዓዲ እንግሊዝ (ዩናይትድ ኪንግደም) መራሒኦም ንምምራጽ ኣብ ዝገበርዎ መረጻ፡ ቦሪስ ጆንሰን ተዓዊቱ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ቀጻሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን እዩ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ንጀርሚ ሃንት ብሰፊሕ ኣፈላላይ እዩ ስዒርዎ። ንሱ 92,153 ድምጺ ክረክብ ከሎ መወዳድርቱ ጀርሚ ሃንት ከኣ 46,656 ድምጺ እዩ ረኺቡ።

ከንቲባ ከተማ ሎንደን ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ጽባሕ ረቡዕ እዩ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ተረዛ መይ ክቕበል።

ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ "ንብረክዚት ከምዘፈጽም፣ ነታ ሃገር ሓደ ገይሩ ንጀርሚ ኮርቢን ከምዝስዕር"ቃል ኣትዩ።

ቦሪስ ጆንሰን ነታ ዝትከኣ ዘሎ ቀዳመይቲ ሚኒስተር'ውን ኣመስጊንዋ።

"ኣባል ናታ ካቢኔ ኮይነ ስለዘገልገልኩ ሓበን ይስመዓኒ" ክብል እዩ ንተረዛ መይ ኣመስጊንዋ።

ንሱ፡ ክሳብ ብጉዳይ ብረክዚት ንስልጣኑ ዝገድፍ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ምስታ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሰሪሑ እዩ።

ተረዛ መይ ብወገና፡ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፍ ምሉእ ድጋፍ ከምእትገብረሉ ገሊጻ።