ኣብ ሲዳማ ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያን ተቓጺሎም

ካብ ዞባ ሲዳማ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ቦሬ ወረዳ ካብ መንጎ ዘጽለሉ ሰባት
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ዞባ ሲዳማ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ቦሬ ወረዳ ካብ መንጎ ዘጽለሉ ሰባት

ኣብ ዞባ ሲዳማ ወረዳ ሃገረ ሰላም፡ ሰለስተ አብያተ ክርስትያን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተቓጸሉ ናይ ሲዳማ ጌድኦ ሃገረ ስብከት ስራሕ ኣካያዲ መጋቢ ጥበባት ቀሲስ ሞላልኝ መርጊያ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ቁጽሪ ተመዛበልተሪ ድማ 457 በጺሑ።

ሓሙስ 11 ሓምለ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተላዒሉ ናብ ካልኦት ዞባታት ሲዳማ ዝተስፋሕፈሐ ጎንጽን ህውከትን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ኣናስዓበ ይርከብ።

በቲ ዝተፈነወ ባርዕ ምሉእ ንሙሉእ ዝዓነዉ ኣብያተ ክርስትያናት ዶያ ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስትያን፣ ጌታማ ገብረክርስቶስ ቤተክስርስትያንን ጭሮኒ ቅዱስ አማኑኤል ቤተክርስትያንን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እቲ ባርዕ ዝተፈጸመ ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዓርቢ 12 ሓምለ 2011 ዓ. ም. ምዃኑ ድማ መጋቢ ጥበባት ቀሲስ ሞላልኝ ወሲኾም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ'ውን ካልኦት ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተሰረቑን ንዋየ ቅዱሳቶም ከምዝተቓጸሉን ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ኣብያተ ክርስትያን ማህሰይቲ ከምዝተፈጸመ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ባርዕን መጥቃዕትን ዝፍጸም ዘሎ ብዝተወደቡ መናእሰይ ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዓይኒ ምስክራት ተዛሪቦም።

ብሰንኪ ኣብቲ ካባቢ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ፡ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሶም እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ኣብያተ ክርስትያን ብኣካል ምርኣይ ከምዘይከኣሉ ይዛረቡ።

ቁጽሪ ተመዛበልቲ ወሲኹ

ካብ ዞባ ሲዳማ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ቦሬ ወረዳ ዘጽለሉ ሰባት ቁጽሮም 457 ከምዝበጽሐ ናይቲ ወረዳ ምምሕዳርን ሓላፊ ጸጥታን ኣይተ ጥላሁን ታፈሰ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሲዳማ ተመዛቢሎም ኣብ ወረዳ ቦሬ ዘጽለሉ ቀጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡን ካብ ዓቕሚ እቲ ወረዳ ንላዕሊ ምዃኑን'ውን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ዛጊድ መንግስቲ ሕክምናዊ ድጋፍ እናገበረ እንትኸውን ነበርቲ ድማ ንተመዛበልቲ ምግቢን ኣልባሳትን እናቕረቡ ምዃኖም ወሲኸም ሓቢሮም።

ኣብ ኣብያተ እምነት ካብ ዘጽለሉ ብተወሳኺ ኣብ ቤተ ዘመድ ዝተዓቀቡ ተመዛበልቲ'ውን ከመዝህልውን እቲ ቑጽሪ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእልን ገሚቶም።

ኣብ ዞባ ሲዳማ ተወሊዶም ቤተሰብ ዝመስረቱ ወዲ ካሊእ ብሄር ዝኾኑ ንቢቢሲ ከምዝገለጹልና፡ ብሰንኪ ብሄሮም ከምዝተመዛበሉ ይዛረቡ። ኣብ ከባቢታት ገጠር ድማ ዝኸፍአ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ይገልጹ።

ገለ ሰባት ኣብ ከተማ ነቶም ናይ ካልኦት ዓሌታት ከቃጽሉ ዝብሉ ግደፉ ኢሎም ዘናግፉ ከምዝነበሩ ገሊጾም። ኣብ ገጠር ግን ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን እንስሳ ዘቤት ከምዝተሰረቓን ከምዝተሓረዳን ወሲኾም ሓቢሮም።

ካሊእ ተመዛባሊ ድማ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ቀዲሞም ኣጠንቂቖም ከምዝነበሩ ይዛረቡ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ሓምለ 11 ሓምለ 11 እናበሉ እናፈከሩልና ነይሮም እዮም። ንሕና እቲ መዓልቲ፡ ክልል ዝእውጅሉ መሲሉና 'ምበር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣይመሰለናን ነይሩ"።

ካብኡ ሓሊፉ ግን ገለ ኣብያተ እምነትን ተወለድቲ ካልኦት ዓሌታትን፡ ሲዳማ ክልል ከይትኸውን ገንዘብ ተዋጽኡ ኣለኹም ዝብል'ውን ውንጀላ ከምዝነበረ ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ ወረዳ ግን "እኹል ቁጽሪ ፖሊስ መዲብና ኢና። ዝትንክፈኩም ሰብ የለን" ዝብል ተስፋ ሂቡዎም ከምዝነበረ ይዛረቡ።

ሓንቲ ካብ ከተማ ይርጋለም ዝተመዛበላ ወላዲት፡ ሰለስተ ደቀን ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይፈልጣ ይዛረባ።

12 ሓምለ 2011 ዓ.ም ዝተወደቡ ጉጅለ መናእሰይ ገዘአን ከምዘቃጸሎ እቶም ደቀን ናበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይፍለጣን ተዛሪበን።

እቶም ተመዛበልቲ መንግስቲ ንህይወቶም ውሕስ ኩነታት ክፈጥረሎም እሞ ናብ ገዘኦም ክምለሱ ከምዘደልዩ እዮም ዝዛረቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት