ኢትዮጵያ፡ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ኢንጅነር ስመኘው ኣበይ በጽሐ?

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ Image copyright OMN

ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብላዕለዋይነት ዝመርሖ ዝነበረ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ካብ ዝመውት ሓደ ዓመት ኮይኑ።

ኢንጅነር ስመኘው፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ መኪንኡ ከሎ ሞይቱ ምስተረኸበ፡ ኣብቲ እዋን ፖሊስ ፌደራል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኢንጅነር ንርእሱ ከም ዘጥፍአ ብዘካየዶ መርመራ ከም ዘረጋገጸ ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብ መኪና እቲ ኢንጅነር ዝተረኸበ ሽጉጥ፡ ናይ ባዕሉ ምንባሩ'ውን ፖሊስ ገሊጹ።

ሞት እዚ ኣርማ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተገይሩ ዝውሰድ ኢንጅነር፡ ንብዙሓት ኣሰንቢዱዎም። ናይታ ሃገር ቢሊዮን ዶላራት ዝፈሰሶ ግድብከ ከመይ ክኸውን'ዩ? ዝብል ስግኣት'ውን ፈጢሩ።

ንኢንጅነር ስመኘው ዝተክአ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፤ ''ሓደ ሰብ ዝኽእሎ'ዩ ዘበርክት እምበር ዝጀመሮ ኹሉ ይፍጽም'ዩ ማለት ኣይኮነን" ክብል ንኢንጀነር ስመኘው ይዝክሮ።

"ግድብ ሕዳሰ ናይ ህዝቢ'ዩ። ኣነ'ውን ናይ ባዕለይ እጃም ኣወፍየ ክሓልፍ ስለ ዝኽእል፡ ናይ ኢንጀነር ስመኘው ኣበርክቶ ከምዚ'የ ዝርእዮ" ይብል።

ኢንጀንር ስመኘው ካብ ዝመውት ንድሓር ኣብ ዘለው 12 ኣዋርሕ ዘሎ ኣፈጻጽማ ህንጸት እቲ ግድብ ከመይ ኣሎ? እንታይ ተለዊጡ? ዘጋጠሞ ጸገምከ እንታይ እዩ? ምስቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣውጊዕና ኣለና።

ስለ ምንታይ እቲ ፕሮጀክት ዘንጊዑ?

ኢንጅነር ክፍሌ፡ "ህንጸት እቲ ፕሮጀክት ብዝተትሓዘሉ መደብ ይኸይድ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ህዝብን መንግስትን ዝገብሩዎ ድጋፍ ግን ጠጠው ኣየበሉን" ይብል።

ብዋናነት ምስቲ ፕሮጀክት ብዝተትሓሓዘ ዘጋጠሙ ክልተ ፈተናታት ከም ዘለዉ ዝገልጽ ኢንጅነር ክፍሌ፡ እቲ ሓደ ምስ ስነ-ምህዳር (Geology) ዝተሓሓዝ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ሩባ ኣባይ ዝኸደሉ ታሕተዋይ ክፋል መሬት ጠንካራ'ዩ ተባሂሉ ናብ ስራሕ ከም ዝተኣተወ ብምዝኽኻር፡ ድሕሪኡ ግን እቲ መሬት ትጽቢት ከም ዝተገበረሉ ከይኮነ ከም ዝተረፈን ኩዒትካ ብኮንክሪት ንምምላእ ብዙሕ ግዘ ከም ዝወሰደን የረድእ።

"ምስ ኮርፖሬሽን ሓጺነመጺንን ኢንጀነሪንግን (ሜቴክ) ዝተትሓሓዘ ጉዳይ ድማ ካልኣይ ምኽንያት'ዩ" ይብል።

ከም ዘረባ ኢንጅነር ክፍሌ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ፕሮጀክት ግድብ ሕዳሰ ሓንጺጹ ናብ ተግባር ክኣቱ ዝኽኣለ፡ ሃገራዊ ዝኾኑ ትካላት እጃሞም ከበርክቱ ቐዳምነት ብምሃብ'ዩ።

"በዚ መንፈስ ሜቴክ፡ ስርሑ ክሰርሕ ንኡስ ተኾናታሪ ኮይኑ እጃሙ ወሲዱ'ዩ። ኮይኑ ግን እዚ ትካል፡ ዓቕምን ልምድን ህንጸት መፈልፈሊ ሓይሊ ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ስራሕ ንቕድሚት ክወስዶ ኣይክኣለን" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ስራሕቲ ስቪል ምህንድስና ናይቲ ግድብ ልዕሊ 80 ሚኢታዊት እንትውገን፡ ስራሕቲ ቱቦታት ሓጺን፣ ተርባይናት ሓዊሱ 20 ናይ መካኒክ ዕዮታት ከም ዘይተዛዘሙ እቲ ኢንጅነር ይገልጽ።

ተወካሊ ጉጅለ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኣይተ ኤርሚያስ፡ ምስ ሓለፍቲ ሚድያን ሰብሞያን ኣብ ዝነበረ ዘተ፡ ሲቪል ስርሓቲ 85፣ ኤለክትሮ ሜካኒካል 25፣ ሓጺንመጺን 13 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ ነይሩ።

ንኹሉ ደሚርካ ክረአ ከሎ ድማ 66.24 ሚኢታዊት ህንጸት ናይቲ ግድብ ከም ዝተዛዘመ ገሊጹ።

መንግስቲ እቲ ንሜቴክ ተዋሂቡ ዝነበረ ውዕሊ ብምቁራጽ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነትን ተሞክሮን ዘለዎም ካልኦት ተኾናተርቲ ናብቲ ስራሕ ክኣትዉ ገይሩ እዩ።

ሽድሽተ ተኾናተርቲ ናብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ዝሓበረ ኢንጂነር ክፍሌ፡ ናይ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ቻይናን ኩባንያታት ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ።

እቶም ሓደሽቲ ኩባንያታት ድማ ነቲ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።

Image copyright OMN

ኩባንያ ሳሊኒ ዘቕረቦ ቅታ!

ስራሕቲ ሲቪል ህንጸት ከፈጽም ውዕሊ ወሲዱ ክሰርሕ ዝጸንሐ ጣልያናዊ ኩባንያ ምስ ምድንጓይ ክፍሊት ዝተሓሓዝ ቅሬታታት ከስምዕ ጸኒሑ እዩ።

ኢንጂነር ክፍሌ ከም ዝበሎ፡ ሳሊኒ ዘቕረቦም ቅሬታታት ምስተጸንዑ ምስ መንግስቲ ተረዳዲኦም'ዮም።

"ሳሊኒ 'ነቲ ፕሮጀክት ኣነ ኣየደናጎኽዎን። ሜቴክ ከቕርቦም ዝግባእ ተርባይናትን ካልኦት ሓጻዊንን ከቕርብ እንተዝኽእል ነቲ ስራሕ ብእዋኑ ክፍጽም ነይረ። እቲ ፕሮጀክት ብምጉታቱ ከኣ ንኽሳራ ተሳጢሐ ኣለኹ' ዝብል ቅሬታ ኣቕሪቡ" ብምባል እቲ ኢንጂነር ይገልጽ።

እቲ ኩባንያ ንዘጋጠሞ ክሳራ ካብ መንግስቲ ካሕሳ ሓቲቱ ነይሩ።

"ሳሊኒ ዝሓተቶ ኩሉ ረኺቡ ማለት ዘይኮነስ፡ ብሰብ ሞያ ምስተጸንዐ ግን ኣብ ውሳነ በጺሕና ኣለና። ብተደጋጋሚ ቅሬትኡ እንተቕረበ'ኳ ስርሑ ግን ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ምድንጓይ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ንሳሊኒ ጥራሕ ዘይኮንስ ንሞራል ህዝቢ'ውን ከም ዝተንከፈ ገሊጹ።

መዓዝ ክዛዘም ይኸውን?

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ከም ዘመንጩን፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመት ድማ ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ ምንባሩ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይዝክር።

ንሱ፡ ነቲ ዓብዪ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ክንዛዝሞ ኢና ኢልካ ምሕሳቡ ጌጋ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

"ንኹሉ'ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ምፍጻም እንተዝከኣል ነይሩ ግን እንተገደደ ብ2009 ኣ.ኢ ሓይሊ ምምንጫው ምጀመረ ነይሩ" ይብል።

ሕዚ ድማ፤ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሓይሊ ናይ ምምንጫው ትልሚ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ህንጸት ንምዝዛም መደብ ከምዝተትሓዘ ገሊጹ።

ተወሳኺ ወጻኢ ከድልይ'ዶ ይኸውን?

ወጻእታት ህንጸት ግድብ ህዳሰ ካብ ህዝቢ ብዝእከብ ገንዘብን በጀት መንግስትን ዝሽፈን'ዩ። ስለዚ መንግስቲ ተወሳኺ በጀት ብምምዳብ እቲ ስራሕ ክቕጽል ይገብር ከም ዘሎ እንጂነር ክፍሌ ይዛረብ።

ህዝቢ፡ ዛጊት ልዕሊ 12 ቢልዮን ቅርሺ ብምውፋይ ኣብ ህንጸት'ቲ ግድብ ኣበርክቶ ገይሩ'ሎ።

ምስ ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ምጉታት ህንጸትን ብዝተሓሓዝ፡ ዝወጽእ ተወሳኺ ወጻኢ ነቲ ፕሮጀክት ከም ዝሃሰዮ ይገልጽ።

"ህዝብን መንግስትን ሕዚ'ውን እቲ ግድብ ንኽዛዘም ዝለዓለ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ እዮም" ኢሉ።