ትራምፕ፡ ቀውፊ ብምጥቃም መሸጣ ኣጽዋር ናብ ስዑዲ ዓረብ ክቕጽል ወሲኑ

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንጉስ ስዑዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንጉስ ስዑዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን

ባይቶ ኣመሪካ ነቲ ናይ 8.1 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ኣጽዋር ንምዕጋት ንዘሕለፎ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቀውፊ (ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል) ብምጥቃም ስዒርዎ።

ፕረዚደነት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ከብርህ ከሎ፡ እቲ እማመታት "ንግሎባዊ ተወዳዳርነት ኣሜሪካ ዘዳኽምን" ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ዘለዋ ዝምድና ናብ ሓደጋ ዘውድቕን እዩ ኢሉ።

እቲ ኣጽዋር ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝሽየጥ ኮይኑ፡ ክልቲኡ ባይቶ ኣሜረካ፡ ኣንጻር እቲ ውጥን ድምጺ ኣሕሊፉ ነይሩ።

እቲ ኣጽዋር ኣብ ኲናት የመን ኣንጻር ሲቪላውያን ከይውዕል ገለ ኣባላት ባይቶ ስግኣቶም ይገልጹ።

እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኲናት የመን ኢዳ ምእታዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊን ብምጥቃስ ንስዑዲ ኾኒኖም።

እቲ ባይቶ፡ ንውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ክስርዝን ከይስርዝን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ድምጺ ክህብ ምዃኑ መራሒ ኣብዝሓ ሪፓብሊካን ሚች ማክኮነል ገሊጹ።

ተንተንቲ ግና፡ እቲ ባይቶ፡ ነዚ ንምሕላፍ ዘኽእሎ ክልተ-ሲሶ ድምጺ ክረኽብ ከም ዘይክእል ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንሳልሳይ ጊዜ'ዩ ቀውፊ ዝጥቀም ዘሎ።

ተወሳኺ ዛንታ