ሰሜን ኮርያ 'ሓደሽቲ ሚሳይላት ሓጺር-ርሕቐት' ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ገሊጻ

ሰሜን ኮርያ Image copyright European Photopress Agency
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ እዋን ምትኳስ እቶም ሚሳይላት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ነይሩ ዶ ኣይነበረን ዝብል ንጹር ኣይኮነን

ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይላት ሓጺር-ርሕቐት ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ገሊጻ።

ሰሜን ኮርያ፡ ካብቲ ዎንሶን ዝበሃል ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ እያ ነቶም ሚሳይላት ሓሙስ ንጉሆ ናብ ባሕሪ ተኩሳቶም።

ሓደ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፡ ሓደ ካብቶም ሚሳይላት 690 ኪሜ ዝተጉዓዘ ክኸውን ከሎ፡ ሓድሽ ቅዲ ዘለዎ ዓይነት ሚሳይል እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ካብ ዝራኸቡ ናብዚ፡ ሰሜን ኮርያ ንፈለማ እዋን እያ ሚሳይላት ትትኩስ ዘላ።

እዚ ምትኳስ ሚሳይላት፡ ሰሜን ኮርያ በቲ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ከካይደኦ መደብ ሒዘናሉ ዘለዋ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ተቖጢዓ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።

እዚ ሓበራዊ ልምምድ፡ ብዛዕባ ኒዩክሌር ዝምልከት ልዝባት ዳግም ኣብ ምጅማር ሃስያ ክህልዎ ከምዝኽእል ሰሜን ኮርያ ኣጠንቂቓ እያ።

ፈለማ ዝወጹ ጸብጻባት፡ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ብ 50 ኪሜ ብራኸ፡ 430 ኪሜ ርሕቐት ምስተጉዓዙ ናብቲ ባሕሪ ጃፓን ወይ ከኣ ምብራቓዊ ባሕሪ እናተባህለ ዝፍለጥ ማያዊ ኣካል ከምዝወደቑ እዮም ዝገልጹ።

Image copyright European Photopress Agency

ናይ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ሰብመዚ ስለያ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምትንታኖም ግን፡ ብውሕዱ ሓደ ካብቶም ዝተተኮሱ ክልተ ሚሳይላት "ሓድሽ ዓይነት ሚሳይል" ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን፡ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ናብ ማያዊ ግዝኣት ጃፓን ከምዘይበጽሐን ኣብ ሃገራዊ ውሕስነታ እዋናዊ ሃስያ ከምዘይህልዎን ገሊጹ።

ኣብ እዋን ምትኳስ እቶም ሚሳይላት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ነይሩ ዶ ኣይነበረን ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

ሰሜን ኮርያ ነቲ ዘሎ ምትፍናን ኣብ ምህዳእ ዘይሕግዙ ተግባራት ካብ ምግባር ክትቁጠብ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ከምዝጸወዐ ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ።