ዛንታ ካብ መሸጣ ንግዲ ባርነት ዝደሓኑ 64 ኢትዮጵያውያን

ብ1888 ኣብ የመን ጥቓ ናይ ወደብ ከተማ ናህር ካብ ነገዶ ባርያ ተመንጢሎም ብሼክ ኦቶማን ዝሕብሐቡ ዝነበሩ ደቂ ኢትዮጵያ Image copyright Sandra Shell
ናይ ምስሊ መግለጺ ብ1888 ኣብ የመን ጥቓ ናይ ወደብ ከተማ ናህር ካብ ነገዶ ባርያ ተመንጢሎም ብሼክ ኦቶማን ዝሕብሐቡ ዝነበሩ ደቂ ኢትዮጵያ

እዋኑ መስከረም 1888 ነይሩ። ሓይሊ ባሕሪ እንግሊዝ ኣብ ዓደን ዓሪዱ፡ ኣንጻር ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ንግዲ ባሮት ወፍርታት የካይድ ነበረ።

ኣብቲ እዋን፡ ካብ ገማግም ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ሰለስተ ጀላቡ ድማ ሓዘ።

ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝሽየጡ 204 ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን 'ባራዩ' ሒዘን እየን ዝጓዓዛ ነይረን። እዞም ህጻናት ካብ ከበሳ ኢትዮጵያ፡ ከባቢታት ኦሮሞ ዝተወሰዱ እዮም ነይሮም።

እቶም ኣንጻር ንግዲ ባሮት ወፍርታት ዘካይዱ ዝነበሩ እንግሊዛውያን፡ ነቶም ህጻናት ካብ ኢድ እቶም ነጋዶ ምስመንዝዕዎም ብቐጥታ ናብ ዓደን እዮም ወሲዶምዎም።

ኣብኡ ድማ ነቶም ህጻናት ኣድላዪ ዘበለ ክንክን ተገበረሎም።

እቲ ጉዕዞ ንኣካልን መንፈስን እቶም ህጻናት ኣዝዩ እዩ ሃስይዎ ነይሩ። ሕማም ዓሶን ከቢድ ኩነታት ኣየርን ናይቲ ከባቢ፡ ይትረፍ ንህጻናትስ ንባሕረኛታት እኳ ዝብድህ እዩ።

እዞም ህጻናት፡ ብ 1890 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዝርከብ 'ፍሪ ቸርች ኦፍ ስኮትላንድ ላቭዳሌ' ናብ ዝበሃል ትካል ተወስዱ።

ካብቶም ህጻናት ገሊኦም ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ስለዝነበሩ፡ ካብቲ ማሕበረሰብ ከዕብዩዎም ወሰዱዎም። ኣብ መወዳእታ እቲ ዓመት፡ ኩነታት ኣየር ናይቲ ከባቢ ስለዘይተጻወርዎን ብካልኦት ምኽንያታትን ካብ መንጎኦም 11 ሞይቶም።

ኣብ የመን እናሃለዉ፡ ሚስዮናውያን ንገለ ካብቶም ህጻናት 'መን ኢኻ? ካበይ መጺእኺ?' እናበሉ ይሓትዎም ነበሩ።

ናይዞም ዝተሓተቱ 64 ህጻናት ታሪኽ፡ ሎሚ ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ኣብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ይርከብ።

ነዚ ታሪኽ ኣሐቲማ ንንባብ ክበቅዕ ዝገበረቶ፡ ተመራማሪት ታሪኽ ሳንድራ ሼልስ (ዶ/ር) እያ። እቲ "ዘ ችልድረን ኦፍ ሆፕ" ዝብል መጽናዕታዊ መጽሓፋ፡ ዛንታ ናይዞም ህጻውንቲ ዝሓዘ እዩ።

Image copyright SANDRA SHELL
ናይ ምስሊ መግለጺ ቶሎሳ ወዬሳ ኣብ ላቭዴል

ቶለሳ ወዬሳ

ቶለሳ ወዬሳ ወዲ ወዮሳን ሃቲቱን እዩ። ብባርነት ተሸይጡ ቃሉ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ዕድሚኡ ብግምት ወዲ 13 ዓመት ነይሩ። መቦቆሉ ጅማ እዩ።

ኣብኡ ብዙሕ ጽማድ ግራት ዝነበሮ ሃብታም ሓረስታይ እዩ። ዒስራ ከብቲ፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣባጊዕን ኣፍራስን ነይሮምዎም።

ቶሎሳ ሽዑ ከምዝተዛረቦ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ገዝኡ እናተጻወተ እንከሎ፡ ሰለስተ ሰባት መጺኦም 'ፈረስዶ ርኢኻ?' ኢሎም ሓተትዎ። እሱ ድማ ብቕንዕና እቲ ፈረስ በየናይ ኣንፈት ከምዝኸደ ሓበረሎም።

ሃንደበት ግን ልቡ ጠርጢሩ፤ ነቲ ደሪብዎ ዝነበረ ክዳን ቆርበት ደርብዩ ናብ ገዝኡ ገጽ ጎየየ። ክንድቲ ልቡ ዝሓሰቦስ ኣእጋሩ ኣይጎየየሉን፤ ኣርኪቦም ሓዝዎ።

ኣፉ ብኢዶም ሓቲሞም፡ ናብ ዱር ሒዞምዎ ኣተዉ።

እቶም ዝሓዝዎ ሰባት፡ ጎዳዋራቤሳ ናብ ዝበሃል ከባቢ ወሲዶም ንነጋዶ ከምዝሸጥዎ ኣብቲ ሽዑ ዝሃቦ ቃል ሰፊሩ ይርከብ። እዞም ነጋዶ ድማ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ጉዕዞ 'ቢሎ' ናብ ዝበሃል ዕዳጋ ወሲዶም ከሲቦም ሸጥዎ።

ቢሾ ጃርሳ- ብዕፉን ዝተለወጠት ሰገን

Image copyright Lovedale Collection
ናይ ምስሊ መግለጺ ቢሾ ጃርሳ

ብ 1874 ከምዝተወለደት ይግመት፤ ሽዑ ጓል 16 ዓመት ትኸውን ነይራ። ኣቦኣ ጃርሳ ኣዲኣ ድማ ዲንጋቲ ትበሃል። ኣቦኣን ኣዲኣን ኣብ ተቐራራቢ እዋን እዮም ሞይቶም።

ካብ 1887-1892 ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ጥምየት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ተሰኒዱ ኣሎ። እዚ ጥምየት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጠመን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ብሰንኪ ዘጋጠመ ጥምየት፡ ሰብን ከብትን ይውዳእ ነይሩ። ናይ'ኒ ቢሾ ጥሪት እውን ካብዚ ህልቂት ኣየምለጣን።

ቢሾ ክልተ ኣሕዋት ነይሮምዋ። ድሕሪ ሞት ኣቦኣ፡ ናይ ኣቦኣ ባርያ ዝነበረ ሰብ ይሕብሕባ ነይሩ።

ሽዑ፡ ኣብቲ ሰብ ብጥምየት ዝሃልቀሉ እዋን ቢሾ 'ጎቡ' ናብ ዝበሃል ዕዳጋ ተልኣኸት።

ኣብ ዕዳጋ ምስበጽሐት ግን ብዕፉን ሸይጦምዋ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ነጋዳይ ብዕፉን ዓዲግዋ። እዚ ነጋዳይ በብእዋኑ እናተመላለሰ ቆልዑ ንባርነት ይዕድግ ነይሩ።

ቢሾ ተሸይጣ 'ኣንቻሮ' ናብ ዝበሃል ቦታ ተወሰደት። ድሕሪ'ዚ ብዙሓት ህጻናት ንባርነት ዓዲጎም ንዝኣከቡ ካልኦት ነጋዶ ተሸጠት። ንሶም ድማ ኣብ 'ኣዳል' ንዝነበረ ካልእ ነጋዳይ ሸጥዋ። ብድሕሪኡ ብታጁራህ ኣቢሎም ኣብ 'ዳዌ' ዝበሃል ቦታ ወሰድዋ።

ሽዑ ድማ ብጃልባ ጽዒኖም ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ጀልባታት ወሰድዋ።

ብዙሕ ከይከዱ፡ ሓንቲ ብረት ዘቕነዐት ጀልባ ረኣዩ። እተን ክልተ ጀላቡ ሽዑ ንድሕሪት ገጸን ተመለሳ። ብድሕሪኡ፡ ነቶም ዝጸዓንዎም ህጻናት ኣውሪዶም፡ ንሽድሽተ ሰሙናት ተሓቢኦም ጸንሑ።

ተመሊሶም ድማ፡ ናይ ባሕሪ ጉዕዘኦም ቀጸሉ። እታ ሓላዊት ጃልባ ሕዚ'ውን ረኺባቶም። ካብተን ክልተ ጀላቡ ዝደሓኑ ቆልዑ ናብ ኣደን ተወስዱ። እቲ ዛንተኦም ድማ ብኸምዚ ሰኒዳቶ።

ቢሾ ቶሎሳን መወዳእተኦም እንታይ ኮነ?

እዚ ዝተፈጸመሉ ዘመን ንጉስ ሽዋ ዝኾኑ ንጉስ ሚኒሊክ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን እዩ።

ንጉስ ሚኒሊክ ካብ ፈረንሳይ ኣጽዋር ውግእ ንምዕዳግ ብዙሕ ገንዘብ የድልዮም ነበረ።

በዚ ምኽንያት ግዝኣቶም አቋሪጾም ኣብ ልዕሊ ዝሓልፉ ደቂ ዓዱ ኾኑ ወጻእተኛታት ነገዶ ባርያ ቀረጽ የኽፍሉ ነይሮም።

ብዚ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ተጠቒሞም ድማ ብዙሕ ኣጽዋር ውግእ ከምዝዓደጉ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ቢሻና ቶሎሳ ዝበሃሉ ምስ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ካልኦት መሓዙቶም ኮይኖም ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ብናይ እንግሊዝ ወተሃደር እዮም ካብ ንግዲ ባርያ ነጻ ዝወጹ።

ኣብቲ እዋን እንግሊዝ፡ ናይ ባርያ ንግዲ ክተርፍ ዝወሰነትሉ እዋን ስለዝነበረ መስመር ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንምቁጽጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣዋፊራ ነይራ።

ቢሾ ጃርሳ ኣብ ሓንቲ ናይ ባሕሪ ወደብ ከተማ፡ የመን ብሓይሊ ወተሃደራት እንግሊዝ ነጻ ምስወጸት ናብ ደቡብ አፍሪቃ እያ ኣምሪሓ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ንመሸጣ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን መኽፈቲ ኣፋ ኦሮምኛ ቋንቋ እዩ ነይሩ። ካሊእ ቋንቋ ኣይትሰምዕን ነይራ።

Image copyright Sandra Shell
ናይ ምስሊ መግለጺ ወዲ ጓሉ ንቢሻ ጃርሶ፡ ኔቪል ኣሌክሳንደር (ዶ/ር ) ኣብ 2008

ደሓር ግን እንግሊዝኛ ኣጸቢቓ እያ ትዛረብ። ኦሮምኛኣ'ውን ኣይገደፈቶን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሎቬዳሌ መምህር ኮይና። መጀመርታ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ክትከውን እያ ስልጠና ወሲዳ ነይራ።

ካብኡ ግን ንፍዕቲ ኮይና ምስረኸቡዎ ምስ ካሊእ ኢትዮጵያዊት ጓል ዓዳ መምህርነት ክትስልጥን ገይሮማ።

ኣብ 1911 ፍሬድሪክ ስቺፐርስ ዝተብሃለ ሰብ ተመርዕያ ኣርባዕተ ቆልዑ ድማ ኣፍርያ።

ካብ መንጎ ደቂ ቢሻ፤ እታ ሓንቲ ዲምቢቲ እትበሃል ሓዳር መስሪታ ንኒቬል ኣሌክሳንደርን ወሊዳ።

እዚ ወዲ ወዳ ንቢሻ፡ ንነጻነት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተቓለሰን ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝተኣሰርሉ ደሴት ሮቢን ን10 ዓመት ዝተኣሰረን እዩ።

ንነጻነት ደቡብ ኣፍሪቃ እንትቃለስ ግን ኢትዮጵያዊ ደም ከምዘለዎ ኣይፈልጥን ነይሩ።

ደሓር ግን ተወላዲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ምስፈለጠ ሓጎሱ ልዑል ምዃኑ ሓደ እዋን ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ቶሎሳ ወዬሳ ድማ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከደ ብትምህርቱ ንፉዕ እዩ ነይሩ።

ኣብ መዛዘሚ ካልአይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ዝበሃል ውጽኢት እዩ ረኺቡ።

ኣብቲ እዋን ግን ትምህርቱ ኣይቀጸለን፤ ኣብ ናይ እንግሊዝ ኣንግሎ ቦየር ኲናት (1899-1902) ተሳቲፉ።

ይኹን'ምበር ኣብቲ ኲናት ብዝረእዮ ነገር ኣእምርኡ ተጨኒቑ።

ካብቲ ኲናት መስተመልሰ ድማ መንገዲ ባቡር ጅቡቲ-ድሬዳዋ እንትስራሕ ተርጓሚ ኾይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ እንግሊዝን ፈረንሳይን ዝነበረ ሓኣል ንሕንሕ ኣማእኺሉ ጽቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ግደ ተጻዊቱ- ይብሉ ታሪኹ ዝመዝገቡ ፀሓፍቲ።

ወዲ ጓሉ ንቶሎሳ፡ ብሩክ ተረፈ ድማ ኣብዚ ሕዚ ወዲ 50 ዓመት እንትኸውን ኣብ ካናዳ እዩ ዝነብር።

ገለ ቀረባ ኣዝማዱ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝነብሩ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ናይ በዓል ቢሾ ታሪኽ ርክብ ኢትዮ-ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 19ኛ ከፍለ ዘመን ጀሚሩ ዘተኣሳስር እዩ።

ብርግጸዕ ካብ መንጎ'ቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወስዱ 64 ኢትዮጵያውያን ገለ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ከምዘለወ'ውን መረዳእታ ኣሎ።

ካብ መንጎ'ቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ንጀርመናውያን ዘማኽሩ፡ ገለ 17 ዝኾኑ ምስ ሃጸይ ሚኒሊክ ተዘራሪቦም ናብ ዓዶም ዝተመልሱ እዮም።

ካብ መንጎኦም ጉዴ ቡልቻ፣ ኣማኑ ፊጎ፣ ድንቂቱ ቦኤንሳ፣ ፌእሳ ገሞ፣ ሊበን ቡልቱ ዝበሃሉ ይርከቡዎም።

ሳንድራኣብ አዲስ አበባ

መበል 33 ጉባኤ ማሕበር ምርምር ኦሮሞ (ኦሳ) ኣብ ኣዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ሪፍት ቫሊ እናተኻየደ ይርከብ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ቅድሚት ሽፋን እቲ መጽሐፍ

ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ እዚ ዝረእናዮ ታሪኽ ዝምልከት ደራሲት "ዘ ችልድረን ኦፍ ሆፕ"ን ተመራማሪትን ሳንድራ ሼልስ(ዶ/ር) ተረኺባ ኣላ።

ሳንድራ ሼልስ (ዶ/ር) ኣብ ዝምባብዌ እያ ተወሊዳ ባጺሓ። ላዕለዋይ ትምህርታ ብክፍሊ ትምህርቲ ታሪኽ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬፕ ታውን ፡ደቡብ ኣፍሪቃ እያ ተኸታተላ።

"ዘ ችልድረን ኦፍ ሆፕ" ዓሚ ዝተሓተመ መጽሓፍ እንትኸውን ንኣንበብቲ ደቂ ዓዲ ብ'ቡክ ወርልድ' ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ከምዝዝርጋሕ ተፈሊጡ ኣሎ።