ደኢህዴን ንመራሕቲ ከተማ ሃዋሳን ዞባ ሲዳማን ኣጊዱ

ከተማ ሃዋሳ

ናይ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፡ ገዛኢ ሰልፊ ዝኾነ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ (ደኢህዴን)፡ ንመራሕቲ ከተማ ሃዋሳን ዞባ ሲዳማን ሓዊሱ ንብዙሓት ሰብመዚ ካብ ስልጣኖም ከምዝኣገደ ገሊጹ።

ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ከምዘረጋገጾ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ፡ ዞባ ሲዳማን ዞባ ሃድያን ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ተኣጊዶም ኣለዉ።

ምኽንያት ምእጋድ ናይቶም ሰበስልጣን ነቲ ኣብ ቀረባ ማዓልታት ኣብ ከተማ ሃዋሳን ካልኦት ከባብታት ሲዳማን ዘጋጠመ ቅልውላው ምዃኑ እቲ ሰልፊ ገሊጹ።

ኣመሓደርቲ ዞባ ሃድያ እውን ኣብቲ ዞባ ተራእዮም ኣብ ዝተብሃሉ ጸጥታዊ ጸገማት ኢድ ኣለዎም ብዝብል ስለዝተጠርጠሩ እዮም ተኣጊዶም።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 11 ሓምለ 2011 ጀሚሩ፤ ኣብ ሃዋሳ፣ ኣለታወንዶ፣ ሃገረ ሰላምን ወንዶ ገነትን ከምኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዞባ ሲዳማ ብዝተፈጠሩ ጎንጽታት፡ ክሳብ ሕዚ ብዝሖም ብንጹር ዘይተፈለጡ ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብ ልእሊ መንበሪ ኣባይቲ፣ ትካላት ንግድን ኣብያተ ክርስትያንን ድማ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ እዩ።

ደኢህዴን፡ ካብዞም ዝተጠቐሱ ሰብ መዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣብ ተመሳሳሊ ተግባራት ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰብመዚ ስጉምቲ ከምዝወስድ'ውን ገሊጹ ኣሎ።