ሰለስተ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣብ ዱባይ ግጥማት ከካይዳ እየን ተባሂሉ

ኣርማ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ስሑል ሽረን Image copyright MEKELLE 70 ENDERTA/WELWALO ADIGRAT UNI/SUHUL SHIRE

ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ስሑል ሽረን ድሕሪ ወርሒ ኣብ ዱባይ ክካየድ ኣብ ዝተሓሰበ 'ነጋሽ ካፕ' ከም ዝሳተፋ ናይቲ ውድድር ኣተሓባባሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነቲ ሓሳብ ዘበገሰን የተሓባብር ዘሎን ድማ፡ 'ኢትዮ ነጋሽ' ዝበሃል ትካል ወኪል ጉዕዞን ዑደትን እዩ።

ወናንን ዳይሬክተርን ናይቲ ትካል ኣይተ መሓመድ ኢብራሂም፡ ሰለስቲአን ጋንታታት ምስ ጋንታታት ዱባይ ዝጻወታሉ ዕድል ንምፍጣር፡ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ቅድመ ምድላው ከም ዝተገበረ ተዛሪቡ።

ብደረጃ ክልልን ሃገርን ከምዚ ዓይነት ዓብዪ ተሞክሮ ዝርከበሉ ዓለማዊ ስፖርታዊ መድረኽ ምድላው ዝተለመደ ከም ዘይኮነ ዝገልጽ ኣይተ መሓመድ፡ እቲ ኣጋጣሚ ንጋንታታት ትግራይ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኸውን ኣረዲኡ።

"ጋንታታት ዱባይ፡ ካብ ኣውሮጳ ከይተረፈ ተጻወትቲ የምጽኣ እየን። ዝሓሸ ሊግ ድማ ኣለዎም። ስለዚ ተሞክሮ ክርከበሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ'ዩ" ኢሉ።

ንሰለስተ ጋንታታት ትግራይ ምስ ናይ ዱባይ ጋንታት ዘራኽብ ነጋሽ ካፕ፡ ካብ 3 ጳጉሜን 2011 ክሳብ 8 መስከረም 2012 [ኣ.ኢ] ኣብ ዘሎ እዋን ንምክያድ ተሓሲቡ ምህላዉ ሓቢሩ።

እቲ ግዜ ዝተመረጸሉ ምኽንያት ከኣ፡ እተን ናይ ዱባይ ጋንታታት ካብ 8 መስከረም ጀሚረን ናብ ናይ'ታ ሃገር ሊግ ስለዝምለሳ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ካብ ጉዕዞ ጀሚርካ ክሳብ ነቲ ኣብ ዱባይ ዝህሉ ናይ 10 መዓልቲ ጻንሒት ካብ 7-10 ሚልዮን ብር [ቅርሺ ኢትዮጵያ] ወጻኢ ይሓትት።

"እቲ ወጻኢ ፍርቁ ብትካልና ዝተረፈ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ መወልቲ [ስፖንሰራት] ብዝርከብ ክሽፈን'ዩ" ኢሉ።

ምስ ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ስሑል ሽረን ዝርርብ ከም ዝተገበረ'ውን ተዛሪቡ።

ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ መምህር ሽፈራዉ ተክለሃይማኖት፡ እቲ ዕድል ንጋንትኦም ከምኡ'ውን ንስሑል ሽረን ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራትን ብዙሕ ረብሓታት ሒዙ ክመጽእ ከም ዝኽእል ገሊጾም።

"ጋንታታት ኣብ ዕረፍቲ ጸኒሐን ካብ ሃገር ወጻኢ ናይ ቅድመ ውድድር ግጥማት ከካይዳ ምኽኣለን፡ ተጻወትተን ብሓድሽ መንፈስን ብቕዓትን ናብ ሜዳ ክምለሱ ዝገብር እዩ" ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ተሞክሮን ንምርካብ መገዲ ዝኸፍት ከም ዝኸውን ብምሕባር፡ ጋንትኦም ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ምስ እተካይዶ ግጥም ዘይጋጮ ግዜ ክምረጽ ኣዘኻኺሮም።

ዱባይ ስለምንታይ?

"እዚ ሓሳብ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ኣይኮነን" ዝበለ ኣይተ መሓመድ፡ ነጃሺ ታሪኻውን ጥንታውን ቦታ ብምዃኑ ግን ንትግራይ ከም መላለዪ ንምጥቃም ብምሕሳብ ከም ዝዳሎ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ዱባይ ዝተመረጸትሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ቪዛ ንምርካብ ዝቐለለት ሃገር ስለዝኾነትን ካብ ጋንታታት ኢትዮጵያ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለወን ጋንታታት ስለዘለዋን ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።

"ብቴክኖሎጂ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለዎም። ስለዚ ዓመታዊ ዝግበር ናይ ዓቕምን ንዋትን ሓገዝ ክህሉ'ዩ ናትና ድልየት። ንኣብነት ጋንታ መቐለ ምስ ካልእ ኣብኡ ዘላ ጋንታ ብቐጻሊ እትራኸበሉ፣ ልምምድ እተካይደሉን ምሕዝነታዊ ጸዋታ እተካይደሉን ዕድል ናይ ምፍጣር ሓሳብ ኣለና" ክብል ሓቢሩ።

ዝተፈላለያ ኣውሮጳውያን ጋንታታት'ውን ኣብ ናይ ቅድመ ሊግ ግዜኤን [ኣብ እዋን ዕረፍቲ] ምስ ዝተፈላለያ ጋንታታት ኣብ ዱባይ እናተራኸባ ግጥማት ከካይዳ ከም ዝመርጻ ኣዘኻኺሩ።

"ነቲ ኣብ ዱባይ ዘሎ ጉዳይ፡ ብኤምባሲ ኢትዮጵያን ካልኦት ወከልትናን ኣቢልና ኢና ንውድኦ ዘለና" ብምባል፡ ብወገን ናይታ ሃገር ጋንታታት ጽቡቕ መልሲ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሳብ 90 ሚኢታዊት ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕ ስለዝተወገነ፡ እቲ ጋንታታት ትግራይ ተሞክሮ ዝረኽባሉ ውድድር ከም ዝካየድ ዘለዎ እምነት ተዛሪቡ።

ካልኦት ጋንታታት ኢትዮጵያ

"ነጃሺ ኣብ ትግራይ ስለዝርከብ፡ ነቲ ከባቢ ዝውክላ ጋንታታት ድማ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ስሑል ሽረን ክኾና ወሲንና" ኢሉ።

ኮይኑ ግን ሲዳማ ቡና ትርከበን ካልኦት ጋንታታት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ'ውን ኣብቲ ዕድል ክካተታ ሕቶ ኣቕሪበን ምንባረን ይዛረብ።

"እቲ ውድድር ሎሚ ጀሚሩ ብቐጻሊ ዓመታዊ ንምክያድ ስለተሓሰበ ሽዑ ድልየት ዘለወን ኢትዮጵያውያን ጋንታታት ዕድል ክወሃበን'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ኣብተን ሰለስተ ጋንታታት ዝርከቡ ኩሎም ተጻወትቲ [ኢትዮጵያውያንን ወጻእተኛታትን] ናብ ዱባይ ናይ ምኻድ ማዕረ ዕድል ከም ዝወሃቦም'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ቀጻሊ እቲ 'ነጋሽ ካፕ' ዝበሃል ውድድር ብቐዋምነት ኣብ ትግራይ ክካየድ፡ ዝተፈላለየ ናይ ደገ ጋንታት እናመጻ ኣብቲ ውድድር ዋንጫ ክሳተፋ መደብ ከምዘለዎም ኣይተ መሓመድ ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት