ኣይተ በቀለ ገርባ፡ "ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣይፈሸለን"

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኦፌኮ ኣቶ በቀለ ገርባ

ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተዓዲሞም ኣብ ህልውና ቋንቋን መንነትን ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣይተ በቀለ ገርባ፡ ቋንቋታት ህልውነኦም ብኸመይ ይረጋገፅ ኣብ ዝብል ተሞክሮ ሃገራት ዓለም መሰረት ብምግባር ኣስተምህሮ ሂቦም።

ሓደ ቋንቋ ህልውናኡ ዝረጋገፀሎም ሰለስተ ወድዓዊ መንገድታት ኣቕሪቦም፤ በዝሒ ህዝቢ፣ትካላዊ ሓገዝን ቁጠባዊ ዓቕምን ምዃኖም ዕሙቕ ዝበለ ሓሳብ ብምልዓል ዘትዮም።

ሰባት ብቛንቆኦም ስለዝተመሃሩ ፅፈት ትምህርቲ ኣይወድቕን ዝበሉ ኣይተ በቀለ፡ ህዝብታት ብዙሓት ሃገራት ብቋንቁኦም ስለዝተመሃሩ ዕውታት ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም።

"ቋንቋኻ ክብሪ ተዘይረኺቡ ኣብ ቋንቋ ካልኦት ጽግዕተኛ እዩ ዝገብረካ። ካብ ናቶም መንነት ሃዲሞም ክነብሩ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ቋንቋኦም ክብሪ የብሉን ኢሎም እንተኣሚኖም፤ ንገዛእ ርእሶም ይሃድምዎ። ሰብ ኰይኑ ካብ ባዕሉ ክሃድም የብሉን" ኢሎም።

ኣይተ በቀለ ገርባ፡ እንተተኻኢሉ ኢትዮጵያ እውን ከምተን ካልኦት ሃገራት ልዕሊ ሓደ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክህልዋ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብቲ መድረኽ እዚ ብኸመይ ተግባራዊ ይኸውን? ዓቕሚ ኸ ኣለና ዶ? ከምኡ እናበልና መዕለቢና ኣበይ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦምሎም መልሲ ሂቦም።

"ኦሮምኛ ተወሳኺ ናይ ፌደራል ናይ ስራሕ ቋንቋ ንምግባር ዓቕሚ ኣለና ዶ ንዝብል፤ 'መዓዝ ደኣ እዩ ዓቕሚ ዝህልወና? እዛ ሃገር ንብዙሓት ዘይድለዩ ነገራት ዓቕሚ ኣለዋ፤ ንኵናት ታንክታት መዐደጊ ዓቕሚ ኣለዋ። ስለዚ ኣነ ብወገነይ፡ዓቕምና ክንዲ ዝፈቐዶ ቋንቋ ንወስኽ እየ ዝብል። ደሓር እንትንበኣስ ንኵናት ተወሳኺ ወፃኢ ክነውፅእ ኣይግባእን" ብምባል መብርሂ ሂቦም።

ዝዀነ ይኹን ሰብ ተገዲዱ ቋንቋ ክመሃር የብሉን ዝብሉ በቀለ ገርባ፡ ቅድም ክብል ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣፋን ኦሮሞ ክንመሃር ኣይንደልን ንዝበሉ ተምሃሮ ደጊፎም ጠጠው ከምዝበሉ ይዛረቡ። "ብፍቓዶም ክመሃሩ ኣለዎም፤ኣነ ኣምሓርኛ ምምሃረይ ፅቡቕ እዩ። ስለ'ዚ ንደቅና ብዙሕ ቋንቋ ምምሃርን ምፍላጥን ኣድላዪ ምዃኑ ነርዳኣዮም" ይብሉ።

ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ኣብ ቋንቋን መንነትን ህዝብታት ምምስራቱ ብፅንዓት ከምዝኣምንሉ ኣብቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ተዛሪቦም። "ህዝቢ ብቛንቋኡ ንኸይጥቀም ዝኸልእ ሓይሊ ሰማዒ የብሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቋንቋ ተመስሪቱ ዝተንነፀ ፌደራላዊ ስርዓት ተግባራዊ ክኸውን ደኣ እዩ ዘድልዮ እምበር ኣይፈሸለን" ኢሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ

ሓደ እዋን ክልተ ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ሓዳር እንተመስሪቶም ደቆም ክልተ ቋንቋ ክፈልጡ የፀግመሎም እዩ ኢልኩም ነይርኩም፤ እዚ ከመይ ትርእይዎ ተባሂሎም እውን ተሓቲቶም።

እቲ ሓሳብ ሰባት ኣዛቢዖም ከምዘቕረብሎም ብምዝራብ፤ ክልቲኡ ቋንቋ ኣይጥቀምሉን ምባሎም፡ እቶም ሰባት ነቲ ቋንቋ ኣይጠቕመናን ኢሎም ስለዝሓስቡ ምዃኑ ኣብሪሆም።

"ምስ ካልእ ብሄር ሓዳር ዝገበረ ኦሮሞታይ፡ ደቁ ኦሮምኛ ኣይኽእሉን፤ እዚ ድማ ስለዘይካኣል እንተይኰነስ፡ እቲ ቋንቋ ኣይጠቕመንን ኢሎም ስለዝኣምኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ብቕዓትን ኣተሓሳስባን እቶም ሰብ ሓዳር እዩ ዝውሰን።ክልቲኡ ዘምህሩ ኣለዉ፤ ሓደ ቋንቋ ጥራሕ እውን ዘምህርዎም ኣለዉ" ኢሎም።

ብዛዕባ ህዝቢ ብቋንቋኡ መንግስታዊ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝግበኦ እውን ኣብቲ ዘተ ብሰፊሑ ቀሪቡ ተዘትይሉ እዩ። እቲ ኣገልጋሊ ናይቲ ዝግልገል ህዘቢ ቋንቋ ብዝግባእ ክፈልጥ ኣለዎ።

"ኣብ ኣዳማ ቈልዑ ኣፋን ኦሮሞ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝውድኡ ትምህርቲ ይወሃቦም፤ ኰይኑ ግና ዋላ እውን ዩኒቨርሲቲ ምስ ወድኡ ሓንቲ ሙሉእ ሓሳብ እኳስ ኣይመልኩን። ብድሕሪኡ ኣብ ክልልና ስራሕ ስኢንና ይብሉ። ንሳቶም ስራሕ ምእንቲ ክረኽቡ ህዝቢ ቋንቋኡ ክቕይር ኣይኰነን። ካልእስ ይትረፍ ቋንቋ ቻይና ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኣብ ዝወሃበሉ ሃገር፡ኢትዮጵያዊ ቋንቋ ምምሃር እንታይ ሓጥያት ኣለዎ" ብምባል ብዕምቈት ተኻቲዖም።

ኣይተ በቀለ ገርባ፡ "ፊደል ግእዝ ኣብ ኣፋን ኦሮሞ ምጥቃም ከመይ ትርእይዎ?" "ንምንታይ እዩ ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ዝተኣሳሰር?" ዝኣመሰሉ ሕቶታት ቀሪቦሙሎም እዮም።

ፊደላት ግእዝ ኣብ ኣፋን ኦሮሞ ንጠቐም ዶስ ላቲን እዩ ዝሕሸና ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣዘኪሮም። ይኹን እምበር በዝሒ ፊደላት ግእዝ፡ ቈልዑ ብቐሊሉ ንምምሃር ኣፀጋሚ ኰይኑ ከምዝተረኸበን ኣብ መደምደምታ ከምዝተበፀሐን ተዛሪቦም።

እኳ ደኣስ ላቲን ኣዝዩ ምቑሉልን ንምምሃሩ ፈኵስ ምዃኑ ከምዝተኣመነሉ ገሊፆም። ካብዚ ወፃኢ ግና ካብ ፅልኣት ዝተበገሰ ከምዘይኰነን ዝፀልእን ዝፍንፍንን ንገዛእ ርእሱ ከምዝጐድእ ብምግላፅ ኣረዲኦም።

"ቋንቋ ዕዳጋ እዩ!"

ኣይተ በቀለ ገርባ ኣብ ዝሃብዎ መዛተዪ ሓሳብ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምሁራት እንይታ ርእይቶ ይህልዎም ንዝብል ንተሳተፍቲ ሓቲትና ኣለና።

ኣይተ ደበሳይ ተኽለምኡዝ ምሁር ቋንቋ እዮም።"ቋንቋ መለለዪ መንነት ምዃኑ ኣይተ በቀለ ኣፀቢቑ ገሊፁዎ እዩ። 'ቋንቋይ ይከበረለይ' ማለትስ 'ብቋንቋይ ክዛረብ' ምባል ጥራሕ እንተይኰነስ 'ባህለይ፣ልምደይን እምነተይን ክኽበረለይ ኣለዎ' ኢልካ ምሕታት ምዃኑ ገሊፁዎ እዩ።" ይብል።

ቀጺሉ ድማ፡ "ቋንቋ ዕዳጋ እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ዘይዓበኻሉን ዘይትፈልጦን ቋንቋ ናብ ዘለዎ ዓዲ ከይድካ ጉልበትካን ፍልጠትካን ክትሸይጥ ትኽእል ኢኻ። ዕዳጋ ክትረክብ እንድሕር ኰይንካ ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ክትፈልጥን ክተኽብርን ይግበአካ። ስለዚ ኣቕልል ኣቢልና እንተርኢናዮ እቲ ቋንቋ ዕዳጋ እውን እዩ" ብምባል ኣብ ኣቕራቢ እቲ ዘተ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ኣይተ ደበሳይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣወቓቕራ ክልላት ካብቲ ቋንቋ ወፃኢ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ብዝምልከት ኣይተ በቀለ ገርባ ንዝሓዝዎ ቅዋም ድማ ንኢዶም።

"ሓደ ብሄር ኣብ ዝተፈላለዩ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ እንትሽንሸን እንተሎ፡እንታይ ዓይነት ቋንቋ እዩ ክጥቀም ኢሉ ዝሓትት የለን። ንኣብነት ዝተወሰነ መሬት ዓፋርን ትግራይን፡ ናብ ትግራይ ወይ ድማ ናብ ኣምሓራ እንተተማቒለነኦ እቶም ናብ ካልእ ዝተሸንሸኑ ሰባት ብምንታይ ቋንቋ እዮም ክጥቀሙ ዝብል መልሲ ዝህብ ሰብ የለን" ክብሉ ርእይቶኦም የቕምጡ።

"ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ዝያዳ ንጐቦን ሩባን ጠመተ ምሃብ ጌጋ ምዃኑ ኣይተ በቀለ ሓቢሩ'ሎ። ብሓፈሻ ሰነያ ዝፈጥርን እቲ ተሃኒፁ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ብቕንዕና እንተደኣ ሒዝናዮ ተግባራዊ ምግባር ከምዘድልዮን ሓቢሩ'ሎ፤ እዚ ድማ እሰማመዐሉ እየ"።

ካልእ ርእይቶ ወሃቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕገ መንግስቲ መምህር ገብረመስቀል ሃይሉ ተመሳሳሊ ቅዋም ኣለዎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ወሃቢ ርእይቶ ምሁር ሕጊ ገብረመስቀል ሃይሉ

"ጉዳይ ፖሊስን ኣሰራርሓን ብዝምልከት ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ግና ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኩሉ ቋንቋ ማዕረ እዩ ተባሂሉ'ሎ፤ ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ባእታታት ገሊኡ ቋንቋ በርቲዑ ንኽወፅእ ገሊኡ ድማ ንኽዳኸም ዝገብሩ ነገራት ኣለዉ፡ እዚኦም ሕጊ ኣይከልከሎምን። ኣብዚ ክስመረሉ ከምዝግባእ ብውሱን መልክዑ ገሊፆምዎ እዮም" ይብሉ።

ኣይተ በቀለ ገርባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተረኺቦም ንዝሃብዎ ሓሳብ ተሳተፍቲ ክብሪ ሂቦም።

ብፍላይ ድማ 'ተኣሲረ ነይረ' ዝብል ቅርታ እንተይሓደሮም ናብ ኩሉ ከባብታት ብምኻድ ኣስተምህሮ ብምሃቦም ዝናኣድ ባህሪን ብስለትን ምዃኑ ገሊፆምሎም።

ተወሳኺ ዛንታ