ኤርትራ፡ "ቋንቋና'ውን እቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ'ዩ ነይሩ"

ተስፋጋብር ቀሺ ባህታ Image copyright Tesfagaber

ተስፋጋብር ቀሺ ባህታ፡ ኣብ ንእስነቱ ብሂጉ ዝሰኣኖ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ኣገልግሎት፡ ኣብዚ ኣለው ክብሎም ብዘይደሊ ደቁ ክከሓስ ተስፋ ይገብር።

ቅድሚ 13 ዓመት ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ንዘሕለፎ ህይወት ከዘንቱ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ሕጂ ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም እትኽሰሰሉ ዘላ ግህሰት መሰላት እምነትን ናጽነት ሃይማኖትን ተኸቢሩ ክርእዮ ይብህግ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጀመረሉ ብሩራዊ ኢዮብኤል-ዩ ዝሓለፈ ሰሙን ጸምቢሉ፣ ብልጫታት ሃገራዊ ኣገልግሎትን እጃም ዜጋታቱን ድማ ብረዚን ቃላት ዘኪሩ፤ ንዓናኸ? ብምባል ይሓትት።

ኣብ 1976፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኮዓቲት ኣብ እትብሃል ዓዲ ተወሊዱ ዝዓበየ ተስፋጋብር ቀሺ ባህታ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከመይ ገይሩ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ መንዚዑ ናብ ዘይፈልጦ ዓለም ከም ዝወሰዶ ኣካፊሉና ኣሎ።

ኣብ 1995፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክመሃርን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከገልግልን ላዕልን ታሕትን ዝብል ወዲ 19 ዓመት ተማሃራይ ዲቁና እየ ነይረ።

እቶም ወለዲ ዝበሉዎ ዝገብር ምእዙዝ፡ ንመዛኖይ ዝመክርን ዝቐጽዕን ኣብነታዊ ብምንባረይ በቶም ኣቦታት ፍቱው ነይረ።

ኣብ 1995፡ ኣስማት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮን ዲያቆናት ቤተክርስቲያን ከይተረፈ ዝርከቦ ዝርዝር ኣሽማት ሰባት ንኣዋርሕ ኣብ መናድቕ ሹቓት ተጠቂዑ - ስመይ እውን ምሰኦም ኣሎ።

"ኣገልጋሊ ቤተክርስቲያንስ ንውትህድርና!?" ምኽንያቱ ብዘየገድስ ንዓይ ሕንቅል ሕንቅሊተይ'ዩ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ እውን ኣባላት ቤተ ክህነት ዲያቆናት ኣቦታት ተገፊፎም ከይዶም ኣብ ሜዳ ተሪፎም'ዮም። ናተይ መቐጸልታ'ዩ።

እቲ ዕለት ምስ ኣኸለ፡ ሰራዊት መጺኦም ንዓይን መሳቱየይን ኣብ ቀይዲ አእትዮሙና።

ብዙሓት ስለ ዝነበርና ኣብ ጥቓና ኣብ ዘሎ ጎረቤት ዓዲ ተሓሊና። ብመግዛእቲ ተደፊሮም ዘይፈልጡ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ኣብ ዘበነይ ክድፈሩ ክርኢ እናሓዘንኩ ተገዲደ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይደ።

ካብታ ብሓለዋ ወተሃደራት ዝተወሰድኩላ መዓልቲ ጀሚረ ክሳብ 2006 [ን11 ዓመት] ኣብኡ ጸኒሐ። ክሳብ ኲናት ባድመ ተሰሊፈ፣ ተዋጊአን ተማሪኸን። ኣብ ደዴሳ ክሳብ ለካቲት 2002 ጸኒሐ ዳሕራይ ብምምልውዋጥ ምሩኻት ናብ ኤርትራ ተመሊሰ። ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ዕረፍቲ ከኣ ናብ ኣሃዱየይ ተመሊሰ።

"ከም ኩሉ ካብ እምነቱ ዝሰናኸል፡ ኣነ'ውን ተጎናዲበ"

ወላዲ ኣቦይ ቀሺ ባህታ፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይፈቱ ስለ ዝነበረ፡ ብሙሉኡ እቲ ዓዲ መባእታዊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ገዛና'ዩ ተማሂሩ።

ኣነ'ውን ኣብ ገዛይ ተማሂረ፤ ኣብ ገዛና ዘይተምሃረ ወዲ ዓድና ድማ የለን። ኩልና ድማ ቋንቋና'ውን እቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ'ዩ።

በስመ ኣብ ኢለ ኣብ እንዳ ኣቦይ ቀሺ ኣይተምሃርኩን ዝብል እንተልዩ፡ ምናልባት ሻዕቢያ መጺኦም ነታ ቤተክርስቲያን ዓይኖም ምስ ኣውደቑላ'ዩ ዝኸውን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መንፈሳዊ መገደይ ስለዝኣለየኒ ኣይተቐበልኩዎም ግን ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ተቐቢለዮ።

ካልእ ኣይኮነን፤ ኣብቲ ዓለማዊ ነገር ምስ ኣተኻ፡ ንሱ ስለ ዝውሕጠካ መንፈሳዊ ክትኸውን ኣይትኽእል። ካብቲ ናተይ እትብሎ ዓለም ምስ እትወጽእ ድማ፡ ቐጻሊ ምስ ሕልናኻ እናተበኣስካ ትነብር። እዚ ነይሩ ሓደ ካብ ዘሰክፈኒ።

ብዕድመ ኣይበሰልኩን፤ ኣብ እምነተይን ኣገልግሎተይን ዓብዪ ድልየት ስለ ዝነበረኒ ግን፡ ኣይኮነን እንዶ ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን፡ ንሰሙን'ውን ክፍለ ኣይደልን ነይረ። ስለምንታይ? መንፈሳዊ ትምህርቲ ተሰራቒ፣ ከያዳይ ስለ ዝኾነ።

ክንከይድ ግድን ምስ ኮነ ተበጊስና። ሽዑ ካብ ኣስመራ ዝመጽኣ ጋዜጠኛታት ሳዋ ምኻድ ከመይ ትገልጹዎ? እንታይ ይስመዐኩም ኣሎ? ኢለን ይሓታና። መሳቱየይ ምኻደይ ኣሕሚሙዎም ዘይኮነ ቀልጢፈ ናይ ምዝራብን ምልላይን ባህሪ ስለ ዘለኒ ንዓይ ተዛረብ ኢሎምኒ።

Image copyright Tesfagaber

ቀልጢፈ "ሕማቕ ይስመዓኒ ኣሎ ሕማቕ" ኢለያ፤ እዘን ኣገልግሎት ኢለን ተኣዊጀን ዘለዋ እንተዘይፈጺመ ኣብ ገዛይ'ውን ክድቅስ ከም ዘይክእል ስለ ዝተሰመዓኒ እየ ወሪደ ኢለያ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዲአ [ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይጽውዑና ስለ ዝነበሩ ተመሊሰ ከይደ'የ] ምስ ተመለስኩ፡ ክሳብ ሕጂ ክወጽኣለይ ዘይኽእል ዱልዱል እምነት'ኳ እንተሃለወኒ መንፈሳዊ ኣገልግሎተይ ግን ክቕጽል ኣይክኣልኩን።

ኣብ ዓድና ኣብነት እየ ነይረ፤ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣቋሪጸዮ ዝነበርኩ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ'ውን ተመሊሰ ክቕጽል መደብ ነይሩኒ። ኩሉ ምስላጥ ምስኣበየካ ጓሂ'ዩ ዝፈጥረልካ።

ኣብኡ ብዙሕ በዳሂ ነገር ስለ ዝገጥመካን ካብ መስመር ስለ እትወጽእን እቲ ቤተክርስቲያን እትደልዮ ሰብ ኣይትኸውንን። ከም ኩሉ ካብ እምነቱ ዝሰናኸል ኣነ'ውን ካብ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያን ተሰናኺለ።

ሓደ ሕብረተሰብ ብሃይማኖቱ ክዓቢ፣ ሃይማኖቱ ክጓሲ ስለ ዘይደልዩ ኣነ'ውን በቲ ንሳቶም ዝደልዩዎ ተጎናዲበ።

ይገርመኪ . . . እንታይሞ ክብለኪ'የ፤ ርእስና ሓድሽ ነገር እንተረኺቡ ንትማሊ'ዩ ዝርስዕ።

'መንፈሳዊ ዝኾነ ሰብ ከም ጓል'ዩ ዝሕሎ'

ኣብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ካብቶም ንጡፋት ነይረ። ሓንቲ ነገር ረኺቦምለይ ብመቕጻዕቲ ይኹን ካልእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትየ ኣይፈልጥን።

ኣብ ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ ግን፡ ከምቲ ኩሉ ኣብ ናተይ ዕድመ ዘሎ መንእሰይ ዝኾኖ ግን ድማ 'ዘይስነምግባራዊ' ዝብሎ ህይወት ከሕልፍ ተገዲደ።

ካብ እግዚሄር ከይተሓባእካ ካብ ሰብ ክትሕባእ ኣይትኽእልን እንዲኻ፡ ዋላ ሕጂ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልኩ ይግደፎ፡ ኣብቲ ዝነበርኩሉ ተነቃፊ ዕድመ ኮይነ ግን፡ ካብቲ ዘሕዝን ተጠቃሚ ዘይተደለየ ወልፍታት ኮይነ፣ ባህሪየይ ተቐይሩ. . . ታይ'ሞ ክብለኪ'የ ብዙሕ ነገር ኣሎ።

ኣብኡ ከይድካ ካልእ ሰብ ኢኻ ትኸውን። ብዕድመ እውን ናኣሽቱ ኢና። ስለዚ ትጋገ ሽዑ ከኣ እቶም ኣቐዲሞም ብኻልእ ባህሪእ ዝፈልጡኻ ይቕየሙኻ።

ሓደ፡ ኣብ ሳዋ ካብ ሕማቕ ዝገትኣካ የሎን። ኣብ ገዛኻ ግን እሞ ከኣ መንፈሳዊ ሰብ እንተኾይንካ፡ ስድራኻ፣ ኣሕዋትካን ሕብረተሰብካን፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ንእስነት እንተኾይኑ ከም ጓል እዮም ዝሕልውኻ። ካብ ብዙሕ ክፉእ ነገር ከኣ ትስወር።

ክንደይ መንፈሳውያን ኣብ ጎዳጉዲ ኣትዮም አእምሮኦም ካልእ ኮይኑ'ዩ። ሓደ ቐሺ ኣገባባት ሕጊ ቤተክርስቲያን እንከለዎ ሕጊ ህግደፍ ክገብር ክትርኢ እንከለኻ፡ ማዕረ ክንደይ ካብቲ ሃይማኖትና ወጺእና፡ ሃይማኖት እቲ ስርዓት ተቐቢልና ንኸይድ ከም ዝነበርና እዩ ዘመላኽት።

ከምዚ ኢለ'ውን እንተኾነ፡ ናብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎተይ ክመልሰኒ ተስፋ ዝገበረሉ ዝነበርኩ ግዜ ኣርሒቑ ዝወስድ ኲናት ባድመ ኣርኪቡና። ነዊሕን መሪርን ዝኾነ ኲናት ምስ ብጾተይ ኣሕሊፈ። እዚ ኹሉ ሰብ ኣብኡ ክተርፍ ከሎ ኣምላኽ ንዓይ ዓቂቡኒ።

ኣብ ህይወተይ ኣብ ኣደራዕ ዝወደቕኹሉ ግዜ

ንልምዓት ተባሂሉ ተወሲድና ባድመ ሓሊፍካ መኻርም ኣብ ዝብሃል ዓዲ ንውሕ ንዝበሉ ኣዋርሕ ተቐሚጥና ኢና። ድሮ ብረት ዓጢቐ እየ። ብሬን ሒዝካ ከኣ ሰብኣውነት ወይ መንፈሳውነት ክትሓስብ ኣይከኣልን እዩ።

ከም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንፈለማ እዋን ሰብ ንሰብ ክዋጋእ ዝረኣኹሉ፡ ዕለት 10 ሰነ 1998 ኣብ ዕርዲ ማቴዎስ፡ [ኣብ ትግራይ] ንዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከነጥቅዕ እንከለና እዩ።

ሰዓት 10፡00 [4፡00 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቐትሪ'ዩ ነይሩ እቲ ኲናት። ብኹሉ ምኽንያታቱ ስክፍታ ነይሩኒ። ከም ዝፈራሕኩዎ ከኣ ኣብ ህይወተይ ኣብ ኣደራዕ ዝወደቕኹሉ ግዜ ነይሩ። ብዙሕ ሰብ ኣብኡ ተሪፉ።

እግዚኣብሄር ዝቐትል እግዚኣብር ከኣ ዝምሕር ክነሱ፡ ኣቐዲሙ መቕበሪ ጎዳጉዲ ይካዓተልና ነይሩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ምሸት ጠቕላላ ሰብ ተሓዋዊሱ፡ መን ናይ መን ምኻንካ ኣይትፍለጥ. . . ታይሞ ክብለኪ እየ ሰዓት ትሸዓተን ፈረቓን ኮይኑ እግዚኣብሄር ህቦብላ ንፋስን ማይን ኣምጺኡ ባዕሉ ዓሪቑዎ ናብ ቦታና ተመሊስና።

ንመጀመርታ ግዘ ክነጥቅዕ ምስ ከድና፡ ዋላ'ውን ከይተረድአና ንላገጽ ነይርና። ከይፈለጥና ኣብ ቅድሚኦም በጺሕና ግን ቦንባ ተደርቢዩና። ኦሮማይ እቲ ዘዘንትውልና ዝነበሩ ኲናትን ወረ ኲናትን በጺሕናዮ ብዓይንና ርኢናዮ።

ሕራይ፡ "ዓዲ ተወሪራ እንተተባሂልካ እምቢ ኣይትብልን ኬድና" ግን ኩናት ዕንወት እዩ። ብጀካ ክትቐትል ካልእ ኣይትሓስብን፡ ጠቕላላ ኢኻ ትቕየር። ካልእ ሰብ ኢኻ ትኸውን። ኣነ ድማ ካልእ ሰብ'የ ነይረ።

ኣብቲ ሳልሳይ ወራር እንብሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘጥቅዓሉ ናይ መወዳእታ ኲናት ተማሪኸ ብህይወት ካብ ዝተረፉ ሰራዊት ሻዕቢያ'የ። ኲናት ገልጠምጠምን ብርሰትን እዩ።

ካብ 2002 ኣትሒዘ ኣጣይሱና ምሰበልኩ፡ ክሳብ 2006 ብሎሚ ጽባሕ ን11 ዓመት ጸኒሐ። ብደሞዝ፣ ብኹሉ ነገር ዝርአ ዕብየት ብዘይምንባሩ ምስቲ ሰራዊት ተስፋ ቖሪጸ።

ሽዑ፡ ወተሃደር ድየ እሱር? ዝብል ስምዒት መጺኡኒ። ካብ ካርታ ኤርትራ ክእለ ኣለኒ ኢለ ወሲነ።

'ነፋሪት ከማን ሒዘ ምሃደምኩ'

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩሉ እናኸፍአ ምስ መጽአ 'ዝጠመየሲ ብኸብዱ ይሰምዕ' ከም ዝበሃል፡ ሰብ ብኸብዱ ክዛረብ ጀሚሩ። ዓፋር ብረድኤት ዝረኸብዎ ዓደስ ክንገዝእ ጀሚርና።

ሓደ እዋን፡ ራስ ዳርማ ኣብ ዝበሃል ገምገም ባሕሪ ኮፍ ኢልና ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ ነዕልል። ሽዑ ኣብ ዓሰብ ኢና ነይርና። ጽቡቕ ጌርና መታን ክንዕልም ዕረፍቲ ክወስድ ኢለዮም፤ ልበይ ግን ከም ዘይምለስ ይፈልጥ ነይሩ።

ካብ መሓዙተይ ኣባላት ሰራዊት ገንዘብ ተለቂሐ ንዓደይ ከይደ። ዳሕራይ እቶም ደቂ ኣሃዱየይ ከም ዝቐበጽኩ መታን ክርደኦም ናይ ኩሎም እቶም ዘለቅሑኒ ኣስማት ዘርዚረ ብዝኣምኖ መሓዛይ ደብዳበ ልኢኸ። ብ2006 ንምሕደራ ህግደፍ ኩቦ ደርቢየላ ንትግራይ ኣትየ፤ ካብኡ ናብ ሃገረ እስራኤል ከይደ።

እዚ ኩሉ ኲናት ሓሊፉ ናብ ትግራይ ክሰግር ከለኹ ቂምታ ኣይነበረንን። ምስ ህዝቢ ትግራይ እንፈልጦ ጽቡቕ ነገር ኣሎ።

ኣብ ጸገሙ [ግዜ ደርጊ] ክልተ ሰለስተ ስድራ ሓቚፍናሉ እታ ዝበላዕናያ በሊዑ፡ እታ ዝዘራእናያ ዓጺዱ ብሓንሳብ ህይወትና ነሕልፈሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ዝነበረ ብረታዊ ቓልሲ'ውን [ደሓር ጸላኢና'ዩ እንተበሉና'ውን] ወያነ ኣካልና'ዩ ይብሉና ስለ ዝነበሩ ንሕና ከነገናዝብ ንኽእል ኢና።

ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ኩናት ዝተትሓዝና ብዙሓት ነይርና። ሰብ ተሃሪሙ፡ ኢዱ እግሩ ተቖሪጹ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከቢድ ብረት ኤርትራ እናስሓቶም ንኤርትራዊ ውጉእ ተሸኪሞም ክኸዱ ስለዝረአኹ ናብ ትግራይ ክኸይድ ኣይተሰከፍኩን። ክእለት ድኣ ኣይነበረንን እምበር ነፋሪት ሒዘ ከማን ምኣተኹ።

Image copyright Tesfagaber

ሕጂ . . .

እታ ዘገልግላ ዝነበርኹ ቤተክርስቲያን [ስላሴ ኮዓቲት] ክሳብ ሕጂ ደሃያ ኣለኒ። ኣቦታትና ኩሎም ሓሊፎም።

ኣገልገልቲ የለውን፤ እንተሃልዯም'ውን ካብ ፍቓድ እቲ ስርዓት ወጸኢ ኣይኸዱን'ዮም ክብሃል ይሰምዕ። ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ እታ ቤተክርስትያን እውን ትሓልፎ ኣላ።

ሃይማኖታዊ ኣገልግሎተይ ብንእስነተይ ስለዝገደፍኹዎ፡ ሕጂ ከምቲ ግቡእ ከገልግል ኣይክእልን'የ፤ ደቀይ ኣምሂረ ግን መንፈሳውያን ክኾኑለይ እደሊ። መንፈሳዊ ህይወትን ሕብረተሰብን ክህልወኒ ይምነ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ውጽኢቱ ተበጊሰ ንዓይ ዕወት ኣይነበረን። እቲ ሃገርካ ምግልጋል ዘይኮነ ዘማትእ፡ ብዛዕባ እቲ ዝኸሰርካዮን ንድሕሪት ዝተመለስካዮን፡ ሕጂ ዘለኻዮን ርኢኻ ከቢድን ጸሊምን ክሳራ ኢና ከሲርና ክብል ይደፍር።

ተወሳኺ ዛንታ