ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ጥሒሎም

ሰራሕተኛታት ኣህጒራዊ ትካል ፍልሰት ንዝደሓኑ ስደተኛታት እናሓገዙ Image copyright IOM LIBYA

ትማሊ፡ ሬሳታት ናይ'ቶም ዝሞቱ ስደተኛታት ካብታ ዝጠሓለት መርከብ እናተኣከበ እንከሎ፡ ካልኦት ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓና ሰለስተ ጀላቡ፡ ርሑቅ ከይከዳ፡ ከም ዝተታሕዛ ቤት-ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ስርሒት ዝተኻየደሉ ቦታ ከባቢ ትሪፖሊ፤ ኣል ካምስ ከምኡ'ውን ኣብ ዝዋራ ኮይኑ፡ እቶም ነዚ ስርሒት ዘካየዱ፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከም ዝመለስዎም ተፈሊጡ።

ብሓሙስ ኣስታት 300 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ኮመስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብምጥሓላ ኣስታት 150 ስደተኛታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብወገኖም ኣስታት 134 ስደተኛታት ከድሕኑ እንከለው፡ ካልኦት 115 ስደተኛታት ገና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውየን ሱዳናውያንን ምዃኖም ክግለጽ እንከሎ፡ ካልኦት ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዘይካ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበዝሓ ኣብታ መርከብ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሞታ ሓቢሩ።

ንኣስታት ሸውዓተ ሰዓት ከኣ ዘድሕኖም ስኢኖም፡ ገዛእ ርእሶም ከም ዘድሓኑ ድማ ኣብሪሁ።

ሓለፊ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፡ እዚ ሓደጋ በዚ ዓመት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ባሕሪ ህይወት ኣብ ምድሓን ዝነጥፉ ጉጅለታት ዳግም ክፍቀደሎምን፤ ሰደተኛታት ካብ መዳጒኒ ሊብያ ነጻ ክወጹን፤ ንስደተኛታት ውሑስ ዝኮነ መተሓላለፊ ክግበረሎም ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን ትካል ስደተኛታት፡ ሃገራት ዓለም ነዚ ዕድል ተጠቂሞም፡ ተወሳኺ ሓገዝ ክልእኹን፤ ነዚ ሓደጋ ኣንጸለልይዎ ዘሎ ስደተኛ ብሕጹጽ ናብ ሃገራተን ከጣይስዎም ኣዘኻኺሩ። እቲ ትካል እቶም ነዚ ዓይነት ንጥፈታት ዘካይዱ ሰምሰርትን ኣስገርትን ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣብ ሕጊ ክቀርቡ ጸዊዑ።

Image copyright KARPOV/SOS MEDITERRANEE
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝበዝሕ እዋን እቲ ጉዕዞ ግቡእ ጽገና ብዘይተገበረለንን ጀላቡ ኮይኑ፡ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስለዝጸዓና ብብዝሒ ሓደጋታት የጋጥም እዩ።

ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ 2019 ጥራይ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ፡ 164 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ሊብያ ቀንዲ ዝብገሱላ ሃገር እያ።

ብሊብያ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ካብ መንጎ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ይርከቡዎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት