ኬንያ፡ ኣእዱግ ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልዩዎም

ኣእዱግ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣእዱግ ኬንያ

ብዝሒ ኣእዱግ ኬንያ ብቅልጡፍ የንቆልቁል ከም ዘሎን ናይ ምጽናት ተኽእሎ ከም ዘለዎን ተገሊጹ።

'ኣፍሪቃ ኔትዎርከ ፎር ኣኒማል ወልፌር' ዝተባህለ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ትካል ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ኬንያ ኣእዱግ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት እዮም ዝርከቡ።

ኣብ 2016 ኣርባዕተ ትካላት ማሕረዲ ኣእዱግ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ኣስታት 410 ኣእኡግ ይሕረዱ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ካብ ቻይና ዝመጽእ ዘሎ ልዑል ጠለብ ቆርበት ኣእዱግ ንምምላእ ኢዩ። በዚ መሰረት ቆርበት ናይዞም ዝሕረዱ ኣእዱግ ንሰደድ ናብ ቻይና ኢዩ ዝልኣኽ።

እቲ ጽብጻብ ከም ዘነጽሮ ብዝሒ ኣእዱግ ኬንያ ካብ 900 ሽሕ ክሳብ 1.8 ሚልዮን ይበጽሕ።

እዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ፡ ሰባት ኣእዱጎም ይስረቁ ከም ዘለዉ ይኸሱ ከም ዘለዉ ብቢቢሲ ዝቐረበ ጽብጻብ ኣራጊድዎ ኣሎ።

ሐደ ሓላፊ ናይ ትካል ማሕረዲ ግና " ብቻይናውያን ሕጉሳት ኢና። ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣድጊ ዝርከብ ረብሓ ኣይነበረን፡ ሕጂ ግን ብዙሓት ሰባት ይርብሑ ኣለዉ" ይብል።

እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል ግና፡ ኣብ ኣእዱግ ዝምርኮሱ ሕብረተሰባት ኣዝዮም ከም ዝተሃስዩን እቲ ናይ ማሕረዲ ማእከላት ክዕጾ ከም ዝደልዩን እዩ ዝገልጽ።

ተወሳኺ ዛንታ