ንሰብኣያ ካብ እሳተ ጎመራ ዘድሓነት ሓዳስ መርዓት

ሓደስቲ መርዑት ኣብ ሆስፒታል Image copyright GoFundMe

ብ18 ሓምለ፡ ኣብ ሕጽኖት ዝነበሩ ኣመሪካውያን ሓደስቲ መርዑት፡ ኣብ ካሪብያን ኣብ ዝርከብ ደሴት 'ኪቲስ' ክሓኹሩ እንከለው፡ እቲ መርዓዊ፡ ዘይንጡፍ እሳተ ጎመራ ናብ ዝነበሮ ቦታ ሸተት ኢሉ ብምጽዳፉ፡ እታ ሓዳስ መርዓት ንሰብኣያ ነብሳ ኣወፍያ ኣድሒናቶ።

እታ መርዓት ንታሕቲ ወሪዳ ንሰብኣያ ካብቲ ዝጸደፎ ቦታ ስሒባ ብምውጽኣ ሞሳ ረኺባ ኣላ። ሰብኣያ በቲ ሓደጋ መንቃዕቲ ርእሲ እኳ እንተጋጠሞ ካብ ሞት ግን ድሑኑ ኣሎ።

እቲ መርዓዊ፡ ኣብ ሰበይቱ ተደጊፉ ናብቲ መበገሲ መስመር እግሪ ጎቦ ንኽበጽሕ ንኣስታት 3 ኪሎ ሜተር ብእግሩ ከም ዝተጓዕዘን፡ ኣብ እዋን ጉዕዞ ብዙሕ የምልስን ኣብ ከቢድ ቃንዛን ምንባሩ ተገሊጹ።

Image copyright GoFundMe

ንሱ ኣብ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክኸይድ እንከሎ ''ሰበይተይ ብጣዕሚ ተገርም እያ'' ክብል ብኣድናቖት ገሊጽዋ።

"ንሳ፡ ካብቲ ዝወደቕኩሉ ህጉም እሳተ ጎመራ ተሰኪማ ከተውጽኣኒ ብምውፋያ፡ ዘገርምን ካብ ተኣምራት ዘይንእስን'ዩ' ክብል ገሊጹ።

እቲ መርዓዊ ነቲ እሳተ ጎመራ ተገምጊሙ ከማዕድዎ ክፍትን እንከሎ እዩ ሸተት ኢሉ ወዲቑ።

በዓልቲ ቤቱ ከኣ ናይ ኣውያት ድምጺ ምስ ሰምዓት፡ ደሃዩ ክትገብር ንቑልቑል ምስ ወረደት መጀመርያ ንሞባይሉን ሻርብኡን ረኺባ። ኣብቲ ኣጻድፍ ሃስውሰው ምስ በለት ከኣ ኣብ ታሕቲ ጸዲፉ ርእሱ ተሃሪሙ ደም ክዝዕግ ጸኒሑዋ።

Image copyright GoFundMe

እብቲ ከባቢ ዝሕግዛ ሰብን ረድኤት እትሓተሉ ናይ ስልኪ ኮነ ሞባይል ኣገልግሎት ሰለዘይነበረ ድማ፡ ደጊፋቶ ንዓቐብ ድሕሪ ምውጻእ እንደገና ንሰለስተ ሰዓት ተጓዒዛ ናብቲ መበገሲ መስመር ኣብጺሓቶ።

ህዝቢ ንመሐከሚኡ 30ሽሕ ዶላር ገንዘብ ምስኣዋጽኣሉ ከኣ ኣብ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ብነፋሪት ከይዱ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረክብ ምህላዉን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎን ብፈይስቡክ ሓቢሩ።