ዳን ኮትስ፡ ዋና ሓለቓ ሃገራዊ ማእከል ስለያ ኣሜሪካ ንምምሕዳር ትራምፕ ጠንጢንዎ

2018 ዳን ኮትስ፡ 13 ለካቲት Image copyright AFP

ዳይረክተር ሃገራዊ ማእከል ስለያ ኣሜሪካ ዳን ኮትስ፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሞንጎ ዝራሕርሑ ላዕለዎት ሰበስልጣን ብምዃን፡ ኣሰር እቶም ቅድሚኡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰዱ ስዒቡ።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ከምዝገለጾ፡ ኮትስ ካብ መዝነቱ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኢዩ ክእለ። ኣብ ቦትኡ ድማ ንኣባል ባይቶ ተክሳን ጆን ራትክሊፍ ከም ዝሸሞ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ''ራትክሊፍ ንዕብየት እታ ዘፍቅራ ኣሜሪካ ከነቓቕሕ ኢዩ'' ክብል ጽሒፉ።

ኮትስን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ክሰማምዑ ከም ዘይከኣሉ ኢዩ ዝግለጽ።

ከም ዳይረክተር ሃገራዊ ማእከል ስለያ ኣሜሪካ፡ ንሲኣይኤ ሓዊሱ ነተን ኣብታ ሃገር ዘለዋ 17 ትካላት ስለያ ዝመርሕ ኮትስ ኢዩ ነይሩ።

ይኹን'ምበር እቲ ብምንቃፍ ስለያዊ ትካላት ሃገሩ ዝፍለጥ ትራምፕ፡ ንጸብጻብ ኮትስ ብተደጋጋሚ ክጻረሮ ጸኒሑ ኢዩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ጉዳይ ስግኣት ኢራን ትካላት ስለያ እታ ሃገር ንዝሃበኦ ትንተና፡ እቲ ፕረሲደንት "ልኡምን የዋህን'' ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ኮትስ ንሓላፊ ምክልኻል ነበር ጀምስ ማቲስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ረክ ቲለርሰንን ዝርከበዎም ተኸቲሉ፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ዝጠንጠነ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮይኑ ኣሎ።

ንሱ ንትራምፕ ኣብ ዝጸሓፎ ስራሕ ናይ መልቀቒ ደብዳበ፡ ኣብ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዘመን ስርሑ ከም ሓለቓ፡ እቲ ትካል ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ከም ዝሓየለ ገሊጹ።

"ከም ውጽኢቱ ድማ ሕጂ ናብቲ ካልእ ምዕራፍ ናይ ህይወተይ ዝኸደሉ ግዜ ኢዩ" ክብል ገሊጹ።

ኮትስ ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ፕረሲደንት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከም ዝሓተቶ ይኹን'ምበር ፍልልያቶም ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ክዕረቐሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ምብጽሑ ገሊጹ።

ተወሳኺ ዛንታ