ደቀባት ብራዚል፡ ዓደንቲ ንሕዛእቲ ደቀባት ብምውራር ሓደ ወደባ'ት ቀቲሎም

ደቀባት ዋጃፒ ኣብ ዓዶም እናተዛወሩ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ብራዚል ዝነብሩ ደቀባት ዋጃፒ

ብኸቢድ ዝተዓጠቑ ዓደንቲ ወርቂ ኣብ ሰሜናዊ ብራዚል ዝርከብ ሕዛእቲ መንበሪ ደቀባት ብምውራር፡ ንሓደ ካብ መራሕቲ ብስሕለት ቀቲሎም።

ነበርቲ ናይታ ኣብ ዞባ ኣማፓ ትርከብ ቁሸት ብፍርሒ ካብ መረበቶም ዝሃደሙ እንክኾኑ፡ ተመሊሶም መሬቶም ምስ ዝሓቱ ግን ሓደገኛ ግጭት ከይክሰት ልዑል ስግኣት ኣሎ።

ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ከምዝመጽአ ኢዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ እቲ ኣንጻር እቶም ሕዛእትታት ደቀባት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ የማናዊ ፕረሲደንት እታ ሃገር ጃይር ቦልሶናሮ፡ ገለ ካብቲ ቦታታት ንዕደና ክፉት ከም ዝኸውን ምግላጹ፡ ኣብ ዞባ ኣማዞን ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

ፕረሲደንት ቦልሶናሮ፡ ስፍሓት ናይቲ ቦታ ምስ ብዝሒ ነበርቲ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዓቢ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝገልጽ። ነቐፍቱ ግና ንዘይሕጋዊ ዕደናን ንወራር መንበሪ ደቀባትን ከም ዘተባብዕ ኢዮም ዝኸስዎ።

ካብ 10 ክሳብ 15 ዝኣባላታ ብኸቢድ ዝዓጠቐት ጉጅለ ዕደና፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዋጃፒ ንትርከብ ቁሸት ድሕሪ ምውራሮም ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ ክብል፡ ናይ ደቀባት ብራዚላውያን መሰል ዝጣበቕ ፉናይ ዝብሃል ትካል ገሊጹ።

እቶም ደቀባት ናይ 40 ደቒቕ ብእግሪ ርሕቀት ናብ ዘለዋ ማሪሪ ዝተባህለት ቁሸት ዝሃደሙ ኮይኖም፡ ናብቶም ወረርቶም ገጾም ምምላስ ከይሓስቡ ድማ ተነጊርዎም ኣሎ።

ብመሰረት መግለጺ ፉናይ፡ እቶም ዓደንቲ ንሓደ ካብ መራሕቲ እቶም ደቀባት ዝኾነ ወዲ 68 ዓመት ብካራ ወጊኦም ከም ዝቐተልዎን፡ ሬስኡ ድማ ኣብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ፈለግ ተረኺቡ።

ዋላ'ኳ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ወጥሪ ዝርአ እንተኾነ ምቕታል መራሕቲ ደቀባት ግን ሳሕቲ ዘጋጥም ኢዩ።

እዚ ቅትለት፡ ውሕስነት እቶም ደቀባት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ንዝብል ስግኣት መሊሱ ኣዕሪግዎ ኣሎ።

ፖሊስ ፈደራል ኣብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝበጽሐ እንክኸውን፡ ኣኽባሪ ሕጊ ፌደራል ድማ ነቲ ጉዳይ መርመራ ከም ዘካይደሉ ገሊጹ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት