ብሓደ ኤርትራዊ ናብ ባቡር ዝተደፍአ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ህጻን ህይወቱ ሓሊፋ

ፈጣን ባቡር Image copyright FRANK RUMPENHORST

ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ወዲ ሸሞንተ ዓመት ህጻን ናብ ቅድሚባቡር ብምድፍኡ ህይወቱ ሓሊፉ ።

እቲ ሓደጋ ዝበጽሐ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሓደ ሰብኣይ ህጻን ምስ ኣዲኡ ናብ ቅድሚ ባቡር ምስ ደፍኦም ኮይኑ፤ እቲ ህጻን ሽዑ ንሽዑ ህይወት ሓሊፉ ክብል ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ኣዲኡ ድማ ከቢድ ጉድኣት እንተበጽሓ'ኳ ብህይወት ተሪፋ ክብል ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ።

ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ጥርጡር ወዲ 40 ዓመት ካሊእ ኤርትራዊ ምዃኑ ኤንቲቪ ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር፡ ጎዩ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብምትሕብባር ሓላፍቲ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝወዓለ ተፈሊጡ፤ ነቲ ተግባር ንምንታይ ከምዝፈጸመ ግና ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ፖሊስ፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ተግባር ዝፈጸመሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ጥቡቕ ምርመራ እናገበረሉ ምዃኑ ድማ ተጸብጺቡ።

እታ ብህይወት ዝተረፈት፡ ወዳ ዝሰኣነት፡ ኣደ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረላ ይርከብ።

ሓደ ሕሉፍ-የማናውያን ውድብ ጀርመን፡ እቲ ፍጻመ በዝሒ ስደተኛታት ምስ ምቕባል ኣዛሚዱ ጽሒፉ።