ሹመት ኣምባሳደር ሬድዋን ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ድዩ?

ኣምባሳደር ሬድዋ Image copyright Anadolu Agency
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ሬድዋን

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ካብ ዝምዘዝ ዳርጋ ዓመት ቀሪቡ እኳ እንተሎ፡ ዛጊት ግና ናይ ሽመት ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣየረከበን።

በዚ ድማ እቲ ናይ ሽመት ደብዳበ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን ዝብል ሓበሬታታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክዘዋወር ቀንዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው፡ ግና "ሓደ ኣምባሳደር ኣብ ተቐባሊት ሃገር ተቐባልነት ኣይረኸበን ዝበሃል፡ እቲ ናይ ሽመት ደብዳበ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣምባሳደር'ውን ኣብታ ሃገር ክሰርሕ ምስ ዘየፍቀደሉ እዩ።

"ኣምባሳደር ሬድዋን ግና ኤርትራ ምስ ኣተወ ኣብ ሳልስቱ ቅዳሕ ናይ ሽመት ደብዳቢኡ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቕሪቡ'ዩ። በዚ መሰረት፡ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። ስርሑ ይሰርሕ ምህላው'ውን ይፍለጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ቅዳሕ ንመራሒ እታ ሃገር እዩ ዝቐርብ። ነዚ ድማ እታ እትቕበል ሃገር ናታ መደብ ኣለዋ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

እቲ ሓላፊ፡ ዝተፈላለዩ ኣምባሳደራት ነቲ ቅዳሕ ብምቕራብ ስርሖም ክሰርሑ ከምዝጸንሑን፤ ኣብ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሓደ ጽምብል ድማ ነቲ ቀንዲ ቅዳሕ ናብ መራሕ እታ ሃገር ከምዝቐርብ እዩ ዝዛረብ።

ካብዚ ወጻኢ ግና ናይ ቅዳሕ ናይ ሽመት ደብዳበ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክሳብ ዘቕረበ፡ ሓደ ኣምባሳደር ስርሑ ክሰርሕ ከምዝኽእልን ናይ ኣምባሳደር ሬድዋን እውን በዚ መልክዑ ክረአ ከምዘለዎን ይዛረብ።

እንታይ ማለት እዩ?

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ነበር ኣምባሳደር ኣብደላ ኣድም ብወገኑ፡ ሓደ ኣምባሳደር ናብ ሓንቲ ሃገር ቅድሚ ምብጋሱ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብታ ሃገር ደብዳበ ከም ዝለአኽን፡ ብመሰረት እቲ ዝርከብ እወንታዊ ምላሽ ጥራይ ናብታ ሃገር ከም ዘምርሕን ይገልጽ።

"እቲ መንግስቲ መልሲ ከይሓበ ሰለስተ ወርሒ እንተሓሊፉ ውዱቅ'ዩ ማለት'ዩ፤ ስለዚ እቲ ኣምባሳደር ናብቲ ዓዲኣይከይድን። . . . ሽዑ እቲ መንግስቲ ወይ ነቲ ውክልና ብትሑት ደረጃ ይገድፎ፡ ወይ ካልእ ሰብ ይቕይር" ይብል።

ኣምባሳደር ኣብደላ ወሲኹ'ውን፡ "ፕረዚደንት ረኺብካ ወረቐትካ ምስ ኣቕረብካ ኣብ ቴለቪዥን ኣብ ሬድዮ ኣብ ኩሉ ይግለጽ፤ ካብኡ ንደሓር ንስካ ናብ ኩሎም ኣምባሳደራት ኣብቲ ዓዲ ዘለው መልእኽትታት ትሰደሎም፤ እዚኣ ክሳብ ዘይገበርካ ግን ናብኣታቶም ኣይትኸይድን ኢኻ" ይብል።

"መራሕቲ ዓበይቲ ሃገራት ግና ዘዝመጸ ኣምባሳደር ክቕበሉ ግዜ ስለ ዘይብሎም እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስራሕካ ብወግዒ ጀምር ክብል ይኽእል እዩ። እዚ ግን ኣብ ከም ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኬንያን ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ቅድም ክብል ኣብ ኣየርላንድ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኾይኑ ዘገልገለ እንትኸውን ቅድሚኡ ድማ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ከምኡ ድማ ሚኒስትር መንእሰያትን ስፖርትን ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት