ስፖርት፡ ኔይማር ዝቐረበሉ ክሲ ምዕማፅ ብሕፅረት መረዳእታ ውድቂ ተገይሩ

Neymar Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ነይማር ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ምዕማፅ ነፂግዎ እዩ

ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ብራዚላዊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኔይማር የካይዶ ዝነበረ ምርመራ 'ገበን ምዕማፅ'፡ እኹል መረዳእታ ብዘይምርካቡ ከም ዝዓፀዎ ሓቢሩ።

ቤት-ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሳኦፖሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ተፃዋቲ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ፡ ርትዓዊ መረዳእታ ብዘይምርካቡ ኣቋሪፅናዮ ኣለና፤ ንናይ መወዳእታ ውሳነ ግና ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ክንልእኾ ኢና ኢሉ።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቲ ተፃዋቲ ምርመራ ዝጀመረ፡ ብራዚላዊት ሞዴል ናሂላ ትሪንዳደ፡ ኔይማር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ፓሪስ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ዓሚፁኒ እዩ ዝብል ክሲ ብምቕራባ እዩ።

ነይማር ግና ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ፀለመ ክብል ውድቂ ገይርዎ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ነይማር፡ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝገለፆ፡ ኣብ ውሳነ ፖሊስ ርኢቶ ክህብ ኣይኽእልን ኢሉ ነይሩ ።

ኔይማር ንጓልኣንስተይቲ ዓሚፁ ዝብል ክሲ ኣብ መላእ ብራዚል ተላቢዑ እዩ፤ ጋዜጣታት ብራዚል እውን እዚ ጉዳይ ናይ ቅድሚት ገፀን ኣርእስተ ዜና ገይረን ፀብፂበንኦ እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኮኾብ ተፃዋቲ ፓሪስ ሰንት-ዠርማይን ኔይማር ነፃ እየ ክብል ምስ ናህላ ዝተለዋወጦ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተላብዐ እዩ እዚ ጉዳይ ኣጀንዳ ክኸውን ክኢሉ።

ኔይማር እዚ እንተበለ እውን፡ ዓሚፁኒ እዩ ዝበለት ወይዘሪት ናሂላ ትሪንዳደ ግን፡ ናብ ህዝቢ ብምውፃእ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንጣብያ ተሌቬዥን ቃለ-መሕተት ሂባ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ጎይቂ ዘርእይ ተንቃሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ድማ ለቒቓ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ፖሊስ፡ ነታ ሞዴል ብፀለመ ከሲስዋ ምንባሩ፡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀብፂቡ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እታ ሞዴል ብብርክት ዝበሉ ጠበቓታት ሕጊ እውን ተነፂጋ እያ።

ሕዚ ዳይና (ዳኛ) ናይ መወዳእታ ውሳነ ቅድሚ ምሃቡ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እዚ ጉዳይ ንምግምጋም 15 መዓልታት ኣለዎም።

ተወሳኺ ዛንታ