ሱዳን፡ ድሕሪ ቕትለት ተመሃሮ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ሱዳን ይዕጸዉ

ተመሃሮ ሱዳን ነቲ ኣብ ኤል-ዖመይድ ዝተፈጸመ ቅትለት ብምቅዋም ሰልፊ እናካየዱ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ኣብ ጎደናታት ካረቱም

ኣብ ሱዳን ኣብ ተቓውሞ ዝነበሩ ተመሃሮ ብምሟቶም፤ ተቓውሞ ተመሃሮ ዝያዳ ሓይሉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ ንዘይተገልጸ ግዜ ከም ዝዕጸዋ ተገይሩ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘለዋ ኣብያ ትምህርቲ ካብ ረቡዕ ጀሚረን ክዕጸዋ ኣዚዙ ክትብል ስተይት ኒውስ ኤጀንሲ ጸብጺባ።

ድሕሪ እቲ ብሰኑይ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣብ ካርቱምን ኩለን ከተማታት ሱዳንን ተመሃሮ ንተቓውሞ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ።

ኣብ ግዝኣት ሰሜናዊ ኮርዶፋን ኣርባዕተ ተመሃሮ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ'ዮም ተቀቲሎም።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ኤል-ዖመይድ ብምኽንያት ሕጽረት ነዳድን ሕብስትን ዝተጀመረ ተቓውሞ ሓይልታት ጸጥታ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ሓያለ ቁሱላት ከም ዘለዉ'ውን ይፍለጥ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ቤት ትምህርቲ ዲቪዛ ዝለበሱን ባንዴራ ሱዳን ዝሓዙን ተመሃሮ ነቲ ኣብ ኤል-ዖመይድ ዝተፈጸመ ቅትለት ብምቕዋም ብሰሉስ ኣብ ከተማ ካርቱም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

እዚ ናይ ተመሃሮ ተቓውሞ ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር'ውን ተኻይዱ ኢዩ።

ሰሉስ ኣማሲኡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ተመሃሮ ዝመሃሩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ትእዛዝ ብምሃብ፡ ነቲ ተቓውሞ ግብረ መልሲ ሂቦምሉ።

ንኣማሓደርቲ ኩለን ግዝኣታት ካብ ቅድመ-ትምህርቲ (ምውዓሊ ህጻናት) ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘለዋ ኩለን ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ክዕጸዋ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦም ሱና መደበር ዜና ጸብጺቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ