ሊብያ፡ ነብሰ ቕትለት ሓደ ስደተኛ ንውድቀት ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ

መሓመድ፡ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ንሰለስተ ዓመታት ከቢድ መከራ አሕሊፉ፣ ብዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ዋጋ ዕዳጋ ተገይርሉ፡ ተሸይጡን ተዓዲጉን፡ ባሕሪ ሜዲተራኒያን ንምስጋር ዝተሰቕላ ጀልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነዳዲ ወዲኣ፡ ድሕሪ ከቢድ ተጋድሎ ንነብሱ ኣድሒኑ - መወዳእትኡ ግን ተስፋ ቆሪጹ።

እዚ ሌይላ ዝተብሃለት ጓል 21 ዓመት በዓልቲ ቤት ዘላቶ ሶማላዊ፡ ንሱን ሰበይቱን ኣብ ዝርዝር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘየለው ምስ ፈለጠ፡ ነብሱ ኣቃጺሉ ክመውት ምውሳኑ ለይላ ትዝክር።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ፡ ብደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሚሊሻታት ካብ ዝመሓደር ቤት ማእሰርቲ ትሪቕ-ኣል-ሺካ ንክወጽኡ መደብ ነይሩ።

"ካብዚ መደዳጎኒ ስደተኛታት ምውጻእ ተራና ምንባሩ ተነጊሩና። እቲ ሓድሽ ዝርዝር ሽም ዝሓዘ መዝገብ መጺኡ ምስ ሰማዕና መሓመድ ከረጋግጽ ኪዲ ኢሉኒ። ሽምና ግን ኣብኡ ኣይጸንሐንን። ዳግማይ ከም ዘይተጸራሕና ንመሓመድ ነጊረዮ" ትብል።

"ብድሕሬና ዝመጽኡ ሰባት ኩሎም ከይዶም'ዮም። መሓመድ በዚ ሓሪቑ ነይሩ። ድሕሪኡ፤ መሓመድ እናነደደ ርእየዮ። ኣብ ርእሱ ነዳዲ ነስኒሱ ናብ ሓዊ ከም ዝኣተወ ተነጊሩኒ። እዚ ኹሉ፡ ቅድሚ ናይ ዓስሪ ጸሎት እዩ ዝኸውን ዘሎ" ትብል።

ሌይላ፡ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ሊቢያ ካብ ዝርከቡ 12 ብመንግስቲ ዝመሓደሩ ቤት ማእሰርትታት ሓደ ዝኾነ መዳጎኒ ንዝነበረ ኩነታት፡ ዝኸፍአ ክትብል እያ ትገልጾ።

"ሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ዘላታ ጸባብ ገዛ፡ ምስ ካልኦት 50 ደቂ ኣንስትዮ ይነብር ነይረ"

"ሓሓሊፉ መግቢ ንረክብ፤ እኹል ማይ ግን የለን። በዚ ምክንያት ብዙሓት ሰባት ብሕማም ዓባይ ሰዓል ተጠቒዖም፡ ኣብ ኢድ መናብርቶም ሞይቶም'ዮም። ብኤሌክትሪክ ተገሪፈን ተሳቕየን እየን" ኢላ።

Image copyright via Giulia Tranchina
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዚንታን ዝነበሩ ስደተኛታት

ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት፡ መሓመድ ኣብ ሆስፒታል ምማቱ በዓልቲ ቤቱ ትገልጽ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኤንኤችሲኣር] ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራሕተኛታቱ መሓመድ ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ፡ ናብ መዳጎኒ ስደተኛታት ከይዶም ከም ዝረኣዩዎ፤ ግን ድማ ዑደቶም ምስ ሞት እቲ ስደተኛ ዝተትሓሓዘ ከም ዘይኮነ ገሊጹ።

"እቲ መዋትን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ መደብ ነይሩ'ዩ" ድማ ኢሉ።

እቲ ትካል ወሲኹ፡ ኣብ ሊቢያ አብ ዝርከቡ መዳጎኒታት ዘሎ ኩነታት ንምምሕያሽ ይሰርሕ እየ ዘለኹ ይብል። ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝ ዝኾኑ ትካላት ግን በዚ ኣይሰማምዑን፤ ምስቲ ትካል ዝነበሮም ስራሕ ጠጠው ከም ዘበሉ'ውን ይገልጹ።

እዞም መጻምዲ፡ ኣብ 2016 ብዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ትጥቃዕ ካብ ዘላ ሃገረ ሶማሊያ'ዮም ወጺኦም። መወዳእትኦም ግን፡ ኣብ ሊቢያ ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ምውዳቕ ኮይኑ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ምስቶም ኣስገርቲ ተኩሲ ብምልውዋጥ ናይ ምምላጥ ዕድል ረኺቦም፡ ምስ ካልኦት 140 ስደተኛታት ብምዃን ባሕሪ ሜድትራኒያን ንምስጋር ፈቲኖም ነይሮም።

ኮይኑ ግን፡ እታ ጀልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነዳዲ ወዲኣ፡ ኣብ ኢድ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ወዲቓ። ብድሕሪኡ፡ ብናይ ወተሃደራት መኪና ተጻዒኖም ናብቶም መዳጎኒታት ክምለሱ ተገይሩ።

እቲ ስደተኛታት ክሕሉ ግቡእ ዝተውሃቦ ትካል ስደተኛታት ውደብ ሕቡራት ሃገራትን፡ መሓዝኡ ዝኾነ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታትን፡ ካብ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዘን ስደተኛታትም፡ ነቐፌታ ይበጽሖም"ዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓለውቲ ገምገም ባህሪ ሊቢያ

ካብ 2015፡ ዩኤንኤችሲኣርን ዓለማዊ ትካል ስደትን ብሓባር፡ ነቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ስልጠና ብምሃብን ናውታት ብምቕራብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 15 ሽሕ ስደተኛታት ብምሓዝ፡ ናብ ሊቢያ ክምለሱ ገይሮም።

ገሊኦም፡ እዚ ምስ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ዝግበር ምትሕብባር፡ ናይ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይሻራውነት ኣብ ሕቶ ክኣቱ ገይሩ'ዩ ኢሎም ይነቕፉ።

"ናብ ኤውሮጳ ዝህሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር'ዮም ዝሰርሑ" ኢሉ ሓደ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት።

'እዚ ናይቲ ሕብረትን ሃገራት ኤውሮጳን ዕላማ'ዩ። እቶም ኣብ ባይታ ኮይኖም ዘፈጽሙ ኣካላት ድማ ክልቲኦም ትካላት'ዮም እየ ዝብል"።

ሕጂ፡ 800 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታትን 50 ሽሕ ምዝጉባት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ሊቢያ ኣለው። ሕብረት ኤውሮጳ ድማ፡ ብሜድትራኒያን ኣቢሎም ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝቆጻጸረሉ መስርሕ ኣጥቢቑዎ'ዩ።

ኣብ ፈላሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2019፡ 15,900 ስደተኛታት ብሜድትራኒያን ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም'ዮም። ካብ 2018 ግን ብ17 ሚኢታዊት ነክዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዓለማዊ ስደት ጠጠው ንምባል ዘይኮነ፡ ንምቁጽጻር፣ ሰባዊ መሰላት ስደተኛታት ንምሕላውን፣ ብዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ዝግበር ስሩዕ ዘይኮነ ጉዕዞ ብምቁጽጻር ውሑስ ጉዕዞ ክህሉ'የ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝሰርሕ" ይብል።

ኣብ ሊቢያ ሓላፊት ልኡኽ ኤምኤስኤፍ ዝኾነት ጁሊያን ራይክማን ግን ስደተኛታት ፍጹም ናብ ሊቢኣ ክምለሱ ክግበር የብሉን'ያ ትብል። "ክንርድኦ ዘይክኣልና እዚ ተግባር ዘይሕጋዊ ምካኑ'ዩ። ሊቢያ ፈጺሙ ውሑስ ኣይኮነን ኢና ንብል"።

ዩኤንኤችሲኣርን ዓለማዊ ትካል ስደትን ግን፡ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ምውሓስ ንሰርሕ ኢና ዘለና ይብሉ።

"ድሌት ስደተኛታት ደኣ እምበር ድሌት ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ኣይኮነንናን ነገልግል ዘለና። ብሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ናብታ ሃገር ዝምለሱ ስደተኛታት ክእሰሩ የብሎምን ኢና ንብል። ኣባላትና ድማ መዓልታዊ ናብቶም መዳጎኒታት ብምኻድ ንስደተኛታት ይሕግዙ'ዮም" ኢሉ ዓለማዊ ትካል ስደት።

ዩኤንኤችሲኣር ብወገኑ፡ ኣብ ዶባት ዝገብሮ ምቁጽጻር ጠቃሚ ምኻኑ ይሕብር። ስደተኛታት ብምምዝጋብ ኣድላዪ ሓገዝ ንምቕራብ እቲ እነካይዶ ምቁጽጻር ኣድላዪ'ዩ ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ ነባር ሰራሕተኛታት እቲ ኤጀንሲ ሓዊሱ እቲ ኣብ ዶባት ዝግበር ምቁጽጻር ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሊቢያ ክምለሱን ናብ መዳጎኒታት ክስንደውን ምኽንያት እናኾነ'ዩ ብምባል ብዙሓት ይነቕፉዎ።

"ከም ሌይላ ዝበሉ ስደተኛታት፡ ምሸት ምሸት ልዕሊ ዓቐን ሰትዮም ብዝመጽኡ ሓለውቲ ዝበጽሖም ግህሰት፣ ንሰሙናት ዘሕልፉዎ ጥምየትን ጻምእን ሕሊንኦም ተጎዲኡ'ዩ" ኢላ ኣብ ሊቢያ ንዝተትሓዙ ስደተኛታት ጠበቓ ዝኾነት ጉሊያ ትራቺና።

እቶም መዳጎኒታት፤ ዳርጋ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ሚሊሺታት ድላዮም ገንዘብ ንክሓቱን ክወስዱን ዕድል ዝህቡ'ዮም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዩኤንኤችሲኣር፡ "እቶም መዳጎኒታት፡ ገሊኦም ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ፣ ጨወይቲ ዝርከቡሎም ብምኻኖም በስገዳድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝስርሐሎምን ገንዘብ ንምርካብ ዝጽዓረሎምን'ዮም" ኢሉ ተኣሚኑ'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ ዩኤንኤችሲኣር ነዞም መዳጎኒ ስደተኛታት ቤት ማእሰርቲ ኢሉ ኣፍልጦ ኣይህቦምን'ዩ፤ ግን ክህልው'ዮም ክኣ ይብል። እሱራት ስደተኛታት ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ካብ ምካን የድሕኖም ኣሎ ኢሉ ይካታዕ።

እንተኾነ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ብዙሓት እሱራእ ናይ ምምዝጋብ ዕድል ኣይገጥሞምን ኢሎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን፡ ሊቢያ ንስራሕ ኣጸጋሚት ኮይና ረኺቦምዋ'ዮም። ዩኤንኤችሲኣር ድማ፡ ብመንግስቲ ሊቢያ ቕቡልነት ኣይረኸበን።

ኣብ 2011 መዓሙር ጋዳፊ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለን ካብ ዝቕተልን፤ ሊቢያ ናይ ውግእ ዓውዲ ኮይና ዕጡቓት ሚሊሻታት ተቖጻጺሮምዋ ይርከቡ። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መንግስቲ፤ ዘለዎ ስልጣን ውሑድ'ዩ።

Image copyright via Giulia Tranchina

ካብ 2014 ጀሚሩ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሌይላን መሓመድን ንዝበሉ ስደተኛታት ዝሕግዝ'ዩ ብምባል ኣብ ሊቢያ ንዝሓዞ ፕሮጀክት 377 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ገይሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኦዲት ግን፡ ግቡእ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ፈንድ፣ ክንደይ ዝኣክል ሓገዝ የድልን ክበጽሕ ተገይሩን ኣብ ዝብሉ ውድቀት ነይሩ ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ፡ ንሓገዝ ካብ ዘድሊ ንላዕሊ 2.9 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ተገይሩ፤ ግን ድማ ኣብ መዓላ ኣይወዓለን። ንቢቢሲ ኣታዊ ዝኾነ ሰነድ ድማ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ እቶም ወሃቢ ሓገዝ ዕውታት ኣይኮኑን ይብል።

ክልተ ዓለማዊ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ካብ ዩኤንኤችሲኣርን ዓለማዊ ትካል ስደትን ምላሽ ክረክቡ ብዘይምክኣሎም ስርሖም ጠጠው ከም ዘበሉ ገሊጾም'ዮም።

ሕጂ ሌይላ ካብቲ ዝነበረትሉ መዳጎኒ ወጺኣ'ያ። "ገለ ወተሃደራት ሊቢያ፡ ሞት መሓመድ ናይ እግዝሄር ትእዛዝ ምኻኑ ክቕበልን ሓዘን ክገድፎን ነጊሮምኒ" ኢላ።

"ምስ ሞተ ኣብ ተመሳሳሊ መዳጎኒ ንሰለስተ ወርሒ፡ ኣቐሚጦምኒ"ዮም"።

ሕጂ፡ ኣብ ኒጀር ኣላ። ናብ ሶማሊያ ምምላስ፡ "ሞት" ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ናይ መወዳእታ ዕጭኣ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምፍላጥ ከም ዘይትኽእል ተዛሪባ።

[ሽም ሌይላን መሓመድን ንስለ ድሕነቶም ተቐይሩ'ዩ]

ተወሳኺ ዛንታ