ቅልውላው ሱዳን፡ ወታሃደራዊ ቤት ምኽርን ተቓወምትን ሱዳን ኣብ ስምምዕ በጺሖም

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ወተሃደራትን ሱዳን ስምምዕ ስልጣን ምምርቓሕ ብምምጽኡ፡ ሱዳናውያን ይጽምብሉ ነይሮም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ወተሃደራትን ሱዳን ስምምዕ ስልጣን ምምርቓሕ ብምምጽኡ፡ ሱዳናውያን ይጽምብሉ ነይሮም

መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ልፍንቲ ቓወምትን፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ከሰጋግረና እዩ ኢሎም ኣብ ዝኣመንሉ ቅዋማዊ ኣዋጅ ስምምዕ በጺሆም።

ኣዛታዪ ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ሓሰን ሌባት፡ ዝርዝር መግለጺ ከይሃበ ሎሚ ንጉሆ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ በጺሖም ዝብል ሓበሬታ ጥራሕ ሂቡ።

ሱዳን፡ ፕሬዝደንታ ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንነጆ፡ ኣብ ቅልውላው'ያ ጸኒሓ።

እቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ናዕቢታት ድማ፡ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ስልጣን ናብ ስቪል ምምሕዳር ከሰጋግር ይጠልቡ ነይሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ድሕሪ ዝተኻየዱ መድረኻት ልዝብ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ስምምዕ ምስ ተነግረ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ናዕቢ ዝጸንሐት ሱዳን ጽምብል ተስፋ ክትጽምብል ገይሩዩ።

እቲ ሰነድ ስምምዕ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲኦም ወገናት ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ እዋን ክህሉ ከም ዝተሰማምዑ ይጠቅስ።

እዚ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን፡ እቲ ምምሕዳራዊ ኣካል ሽዱሽተ ስቪላውያንን ሓሙሽተ ጀነራላትን ክኾኑ ዝጠልብ'ዩ።

ወተሃደራትን ሰልፈኛታትን ክሳብ ሕጂ ዝተሰማምዑሎም ነጥቢታት፥

  • እቲ ምምርቓሕ ስልጣን ን39 ኣዋርሕ ክጸንሕ
  • ሉኤላዊ ቤትምኽሪ፣ ካቢነን ሓጋጊ ኣካልን ክምስረት
  • እቶም ጀነራላት ን21 ኣዋርሕ ነቲ ቤት ምኽሪ ክመርሑን፡ ዝተረፉ 18 ኣዋርሕ ሲቪላት ክመርሑ
  • ብምንቅስቓስ ዲሞክራሲ ዝተመዘዘ ቐዳማይ ሚኒስትር ነቲ ካቢኔ ክመርሕ
  • ሚኒስትራት ምክልኻልን ሚኒስተር ወሽጣዊ ጉዳያትን በቶም ወተሃደራት ክምረጹ

እዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን፡ ንምንቅስቓስ ዲሞክራሲ ዓብዪ ዓወት ኮይኑ'ዩ ተራእዩ። ሰልፈኛታት፡ ስርዓት በሽር ዝዘርግሖ ፖለቲካዊ መርበብ ክሳብ መወዳእትኡ በቲክኻ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ንምክያድ ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ ይብሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ