ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሓድሽ ሕጊ ተጠቒማ ብፍቓዳ ሞይታ

ኬሪ ሮበርትሶን Image copyright GO GENTLE AUSTRALIA
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሕማም መንሽሮ ክትሳቐ ዝጸንሐት ኬሪ ሮበርትሶን

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት፡ ብሕክምና ተሓጊዛ ክትመውት ዘኽእላ ሓድሸ ሕጊ ኣውስትራልያ ብምጥቃም፡ ብፍቓዳ ዝሞተት ፈላመይቲ ሰብ ኮይና።

ብዘይድሕን ሕማም መንሽሮ [ካንሰር} ክትሳቐ ዝጸንሓት ጓል 61 ዓመት ኬሪ ሮበርትሰን፡ ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሓደ ጣብያ ጥዕና እያ ብፍቓዳ ሞይታ።

ብሕክምና ተሓጊዛ ክትመውት፡ ኣዘራራቢ ዝኾነን ንክጸድቕ 26 መዓልታት ዝወሰደ ክትዕ ዝተገበረሉን ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ጥራሕ ዝርከብ ሕጊ እዩ ፈቒዱላ።

ስዳራኣ "እቲ ዝደለየቶ ሞት እያ ረኺባ" ዝብል ርኢይቶ ሂቦም።

እዚ ኣብ 2010 ኣብ ኣጥቧታ ዝጀመረ ሕማም መንሸሮ፡ ጸኒሑ ናብ ኣዕጽምታ፣ ሳንባኣ፣ ሓንጎላን ከብዳን እዩ ተላቢዑ።

ቤተሰባ ከምዝበሉዎ፡ ክትወስዶ ዝጸንሓት ኬሞቴራፒን ካሊእ ሕክምናዊ ረድኤትን ጎናኣዊ ጉድኣቱ ስለዘመዘነን ነቲ ቃንዛ ክትጻወሮ ስለዘይከኣለትን ጠጠው ኣቢላቶ እያ ጸኒሓ።

እዚ ዛጊድ ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ጥራሕ ዝርከብ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ክትግበር ጀሚሩ።

ብዘይድሕንን ዘይሓውን ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት፡ ብሕክምና ተሓጊዞም ብፍቓዶም ክሞቱ ድማ ይፈቅድ።

ጓላ ኒኮላስ ሮበርትሶን ነቲ ፍጻመ ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ "ኣብ ህይወታ ክንሕግዛ ዝከኣለና ኩሉ ገይርና ኢና። ዘናስሕ የብልናን። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ክትመውት'ያ መሪጻ። ዕረፍቲ ይሃባ። እዚ ዓብይ ነገር እዩ" ኢላ።

Image copyright GO GENTLE AUSTRALIA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኬሪ ሮበርትሶን (ማእኸል) ምስ ክልተ ደቃ

እዚ ሕጊ ተፈጻሚ ክኸውን እንተድኣኾይኑ፡ እቲ ሰብ ካብ 18 ዕድመ ንላዕሊ ክኸውን ከምዘለዎ፣ ናይ ምንባር ዕድሉ ድማ ትሕቲ 6 ወርሒ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ክኸውን ከምዘለዎ የገድድ።

እቲ ፍቓድ ዝሓትት ሰብ ድማ ሰለሰተ ግዘ ከመልክት ኣለዎ።

ካልኦት ግዝኣታት ኣውስትራልያ ነዚ ሕጊ ከጽድቓ ምንቅስቓሰ ከምዝጀመራ ተፈሊጡ።

ፈዴራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ነዚ ኣካታዒ ሕጊ ዛጊድ ኣይጽደቖን።

ካናዳ፤ ቤልጂየምን ኔዘርላንድስን ነዚ ሕጊ ዘጽደቓ ሃገራት ኮይነን ይጥቀሳ።