ሂዉማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኤርትራ 'ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን ሃገራዊ አገልግሎትን' ንኸብቅዕ ጸዊዑ

ሰለስተ ናእሽቱ ወተሃደራት ኤርትራ
ናይ ምስሊ መግለጺ ሂዉማን ራይትስ ዎች ኣብ ኤርትራ ግህሰት ተምሃሮን መምህራን ጠጠው ይበል ኢሉ።

ሂዉማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት እትወስደሉ መገዲ፡ መምሃራን ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምውፋር፡ ተምሃሮን መምሃራንን፡ ግዳያት ኣካላዊ ግህሰትን ናይ ጉልበት ስራሕን ትገብር ኣላ ኢሉ። ሰበ ስልጣናት ኤርትራ ግን ነቲ ጸብጻብ ነጺጎምዎ።

እዚ ዓለም-ለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እዩ፡ ነዚ ዝገለጸ።

"ይምህሩና ዘይኮነ ባሮት'ዮም ዝገብሩና ዘለው" ብዝብል ርእሲ ዝወጽአ በዓል 87 ገጽ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ገደብ-ኣልቦ ዕስክርና መሰል መናእሰይን ትምህርትን ብኸመይ ይግድብ ኣሎ? ዝብል'ዩ።

እዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ በብዓመቱ ትምህርቶም ከይወድኡ ገሊኦም ቆልዑ ኮይኖም ብኸመይ ኣሽሓት መናእሰይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ የገድድ ክብል ይጠቅስ።

ውፉያትን ዝሰልጠኑ መምሃራን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ምፍራይ፡ መምሃራን'ውን ኣበይ፣ እንታይ ክንምህር ዝብል ምርጫ ከይገደፈሎም ናብ ገደብ-ኣልቦ ኣገልግሎት የውፍሮም ኣሎ'ውን ይብል።

እዚ ፖሊሲ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝኸፍአ ጉድኣት ብምስዓብ መናእሰይ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይገብር ኣሎ፡ ይብል ሂዩማን ራይትስ ዎች።

"ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ግዳያት እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘብጽሖ ዘሎ ጭቆና'የን" ኢላ ላዕለዋይ ተመራማሪት ኣፍሪቃ ሂዩማን ራይትስ ዎች ሌሲሻ ባዳር።

"ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም መጺኡ'ዩ። ናጽነትን መሰላትን መናእሰይ ሓዊሱ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ" ትብል እታ ተመራማሪት።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግና ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሕጊ 18 ኣዋርሕ ዝተገደበ ብምዃኑ፡ ገደብ ኣልቦ ኮይኑ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ ነዚ ብሂዉማን ራይትስ ዎች ዝቐረበ ጸብጻብ ነጺግዎ።

"እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተናዊሑ እንተኾይኑ፡ ብምርጫ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን። ኣህጉራዊ ሕጋጋት ብዝጠሓሰ ዓማጺ ኣካል ተስገዲዱ እዩ። ስርዓተ ምክልኻል ኤርትራ ንግዳማዊ ኣካላት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክጠሓስ ከሎ ሸለል ንዝበሉን ዘጽቀጡን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን እዩ" ኢሉ።

መጻኢ ዕጫ ትምህርቲ ኤርትራ ጸልማት ኣይነበረን። ድሕሪ ናጽነት፡ ናይ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃ ሓዊሱ፡ መንግስቲ ትምህርቲ ንኹሉ ብናጻ ክባጻሕ ገይሩ'ዩ። እንተኾነ፡ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት፡ ንስርዓት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እታ ሃገር ጎዲኡዎ'ዩ።

መንግስቲ እቲ፡ "ኩነተ ኲናት" ተጠቒሙ ብዙሓት ዜጋታት ብገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ተሸሚሞም ወተሃደራውን ሲቪላውን ኣገልግሎት ንመንግስቲ ክህቡ ምኽንያት ኮይኑዎ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ካብ 2014 ክሳብ መወዳእታ 2018፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮን መምሃራንን ዝነበሩ፡ ግን ድማ ኣብ ሃገራት ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ጥልጣንን ስዊዘርላንድን ዝነብሩ ዘለው 73 ሰባት ቃለ መሕትት ገይሩ'ዩ።

ከምኡ'ውን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጽንዑን ዝትንትኑን 18 ሰብ ሞያ ኣካቲቱ።

መንግስቲ ብቐንዱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃን መሰልጠኒ ማእኸላት ሞያን ምምሕያሽ ትምህርቲ ኣብ ዘበገሰሉ እዋን፡ ተምሃሮ ጽሬት ዘለዎ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝጸቅጥ ነገር ኣብ ምብቃዕ ግን ንፉግ ምኻኑ "ኣረጋጊጸ እየ" ይብል እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት።

ዓመታዊ፡ መንግስቲ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ትምህርቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንዝበጽሑ ተምሃሮ ናብ ወተሃደራዊ ማእኸል ስልጠና ሳዋ ይልእኽ'ዩ ብምባል ድማ ብምኽንያት ይጠቅስ።

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሳዋ ብምቁጽጻርን ብምምራሕን፡ ተምሃሮ ወተሃደራዊ ስነ ምግባር ክመልኩ፣ ንዝፍጽሙዎ ናእሽቱ ጌጋታት ከቢድ ኣካላውን ናይ ጉልበት ስራሕን መቕጻዕቲ ክወሃቦም ከም ዝገብሩ ድማ ይገልጽ።

"ናብ ሳዋ ምስኸድካ፡ ናትካ ዘይኮነ ናታቶም ርእሲ ኢኻ ትጥቀም። ኣብኡ ኾይነ መጻኢየይ ክርኢ ኣይኽእልን፤ ተስፋታተይ ኩሉ ስኢነ እየ" ይብል ኣብ 2015 ኣብ ሳዋ ዝነበሮ ኣገልግሎት ዝወድአ መንእሰይ።

ገለ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኮነ ኢልካ ክተርፉ [ክወድቁ] ይግበር፤ ካልኦት የቋርጹ ግን ድማ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክልኣኽ'ዶ ይኸውን ኣብ ዝብል ፍርሒ ተሸሚሞም ይነብሩ፡ ይብል ሂዩማን ራይትስ ዎች።

እቲ ትካል ከምዝብሎ፡ ተምሃሮ ምስ ተመረቑ፡ ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኮሌጅ ወይ ገደብ ኣልቦ ናብ ዝኸነ ስራሕ መምህርነት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይልኣኹ።

ካብ 2015 ጀሚሩ መንግስቲ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸዱ መምሃራን መሃያ ክኸፍሎም ዝጀመረ ኾይኑ፡ ቃሎም ንሂዩማን ራይትስ ዎች ዝሃቡ መምሃራን ግን እታ እትወሃቦም እቶት ተጠቒሞም ናብራ ንምምራሕ ከም ዝጽገሙ ተዛሪቦም።

"ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት'ዩ" ይብል ኣብ 2018 ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽኡ ናብ ሳዋ ከይዱ ክምህር ዝተመደበ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ። "ፊዚክስ ክትምህር እንተተመዲብኻ፡ መምህር ፊዚክስ ኮይንካ ህይወትካ ተብቅዕ"።

መምሃራን ምትብባዕ ስለ ዘይብሎምን ካብ ሃገር ስለ ዝወጽኡን፡ መብዛሕትኡ ግዘ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ኣወሃህባ ትምህርቲ ድኹም'ዩ ዝብል እቲ ትካል፡ ሓሓሊፉ ንሰሙናት ብዘይ መምህር ኾፍ ዝብሉ ተምሃሮ ምህላዎም ይሕብር።

ተምሃሮን መምሃራንን እታ ሃገር፡ ሓደ ካብቲ ስርዓት ዘግልስሉ መገዲ እንተሃለወ ስደት'ዩ እውን ይብል። "ክወጽኡ ዝተትሓዙ ድማ ንኣካለዊ ግህሰትን ስቅያትን ይቃልዑ"።

ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ኮይኖም ኣላዪ'ውን የብሎምን።

ብምኻኑ ድማ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምልኣኽ ከቋርጽ፣ ናይ ትምህርቲ ማእከላት ብቕዓት ዘለዎምን ክምህሩ ዝደልዩን ሰባት ክህልዎም ክግበርን ኣለዎ ኢሉ።

ዓለምለኻውን ዞባውን መዳርግቲ ኣካላት ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ለውጢ ከምጽእ ጸቕጢ ክገብሩ ሓቲቱ።

"እቲ ገደብ ኣልቦን ግዱድ ዕስክርናን ብምብቃዕ፣ ሓላፍነቶም ተጠቒሞም ግህሰት ዝፍጽሙ ወተሃደራዊ መኮንናት ሓላፍነት ክወስዱ ምግባር፡ ተምሃሮ ድማ መጻኢ ዕጭኦም ከነጽሩ ምፍቃድ ቁልፊ ተስፋ ኤርትራ'ዮም" ኢላ ሌሲሻ ባዳር።

ኣቶ የማነ ግን ኣብቲ ብትዊተር ዝሃቦ ተኸታተሊ ምላሽ፡ እንድሕር'ኳ ነቲ አገልግሎት ለውጥን ምምሕያሻትን ምግባር ኣድላይ ኾይኑ ተረኺቡ፡ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ጥራሕ ዝምልከት 'ምበር ንዝኾነ ናይ ደገ ሓይሊ ኢድ ከምዘይነስእ ኣትሪሩ ነቒፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ